ሉሲታት ናይ መልሲ ፀወተአን ሎሚ ድሕሪ ሳዓት 12፡10 አብ ናይጀሪያ ከካይዳ ኢየን - ኢዜአ ትግርኛ
ሉሲታት ናይ መልሲ ፀወተአን ሎሚ ድሕሪ ሳዓት 12፡10 አብ ናይጀሪያ ከካይዳ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/20/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መፃረዪ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ 2024 ካልኣይ ዙር ናይ መልሲ ፀወታ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ናይጀሪያ መዘነኣ ክተካይድ ኢያ።
እቲ ፀወታ ሎሚ ምሸት ሰዓት 12፡10 ኣብ ኣቡጃ ስታዲየም ኣቢዮላ ከምዝገብር ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሉሲታት ናይ መልሲ ፀወታአን ንምግባር ቅድሚ መዓልቲታት ናብ ኣቡጃ ዝኣተዋ እንትኾና ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ሞሽድ ኣቢዮላ ልምምድ እናገበራ ፀኒሐን፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተገበረ ቀዳማይ ዙርያ ፀወታ ሓደ ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ምፍልላየን ይዝከር።