ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ


ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/19/ 2016 /ኢዜአ/ መንግስቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ መዐቀንታት ብምምላእ ፀወታኣ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ገሊፆም።

መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኩዕሾ እግሪ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዎ ህዝባዊ መሰረት ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ንህንፀት ምስሊን ስፖርት ዲፕሎማሲን ምስ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ንምዕባይ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ ኣምባሳደር መስፍን ኣብቲ ጉባኤ ተዛሪቦም፡፡

ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኩዕሶ እግሪ ምስ ፌዴሬሽናት ኩዕሶ እግሪ ካልኦት ሃገራት ምትሕብባር ብምፍጣር ዝጀመሮ ስራሕ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡

መንግስቲ መለክዒ ማሕበር ዓለም ለኸ ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ዘማለአ ስታዲየም ብምስንዳእ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳኣ ንኽትፃወት ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ እውን ምርግጋፆም ኢዜአ ሓቢሩ ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም