ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ማንቹሪያን ደርቢ ማቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድ 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ማንቹሪያን ደርቢ ማቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድ 3 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/19/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ንማንቼስተር ዩናይትድ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ትማሊ ሰንበት ምሸት 12፡ 30 ኣብ ዝተኻየደ ደርቢ ማንቹሪያን ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ማንቼስተር ሲቲ ንኽትዕወት ክልተ ሸቶታት ኧርሊንግ ሃላንድ ብፀወታን ብፍፁም ቅላዕን እንተመዝግብ ሳልሰይቲ ሸቶ ድማ ፊል ፎደን ኣመዝጊቡዋ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ ካልኦት ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታ ሊቨርፑል ኖቲንግሃም ፎረስት 3 ን 0፣ ዌስትሃም ብኤበርተን 1 ን 0፣ ኣስቶንቪላ ንሉተን ታውን 3 ን 1 ብምስዓር ተዓዊተን።
ብራይተንን ፉልሃምን ዘካየደኦ ፀወታ ድማ ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡