ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፍርቂ ማራቶን ቫሌንሽያ ካብ 2ይ ክሳብ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ፍርቂ ማራቶን ቫሌንሽያ ካብ 2ይ ክሳብ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/11/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ቫሌንሽያ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ካብ 2ይ ክሳብ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡
ኣብቲ ውድድር፥ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ፣ ዮሚፍ ቀጄልቻን ሰለሞን ባረጋን ተሳቲፎም፡፡
በዚ ድማ ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት 2ይ፣ ዮሚፍ ቀጄልቻ 3ይ ከምኡ እውን ሰለሞን ባረጋ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛሞም ሓበሬታ ፌደሬሽን ትሌቲክስ የመላኽት፡፡
ኬንያዊ ኣትሌት ኪቦውት ካንዲ ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ፡፡