ፍርቂ ማራቶን ደልሂ ብዓወት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ተዛዚሙ - ኢዜአ ትግርኛ
ፍርቂ ማራቶን ደልሂ ብዓወት ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ተዛዚሙ

አዲሰ አበባ/ጥቅምቲ/5/2016/ኢዜአ/ ኣብ ህንዲ ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ደልሂ ኣትሌት ኣልማዝ ኣያና ተዓዊታ፡፡
እቲ ርሕቐት ንምዝዛም 1 ሰዓት፣ 7 ደቒቕን 59 ሰከንድን ወሲዱላ።
እታ ኣትሌት ድሕሪ ነዊሕ እዋን ጉድኣት ናብ ዓለም ለኸ ውድድር ተመሊሳ ዘመዝገበቶ ውፅኢት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡