ንኹሉ ተበፃሒ ዝገበረ ስራሕ ምንካይ ሓደጋ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ እዩ-ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ - ኢዜአ ትግርኛ
ንኹሉ ተበፃሒ ዝገበረ ስራሕ ምንካይ ሓደጋ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ እዩ-ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ

ቢሾፍቱ/ጥቅምቲ 2/2016 (ኢዜኣ) ንስግኣት ሓደጋ ተቓላዒ ዘይኮነ ማሕበረሰብን ሃገርን ንምህናፅ ንኹሉ ተበፃሒ ዝገበረ ስራሕ ምንካይ ሓደጋ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ ክብል ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ገሊፁ።
መዓልቲ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ብብርኪ ሃገር ንመበል 14 ግዜ ኣመራርሓ እቲ ዓውድን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ እናተኸበረ ይርከብ።
ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ዶክተር ሽፈራው ተክለማርያም ኣብቲ እዋን፤ ̎ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ዘስዐብዎ ጉድኣት ኣንፈታት ልምዓትን ዕቤትን ብኣግባቡ ክንፍትሽ ገይሩና እዩ̎ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቐ ሓደጋታት፣ኣብ ምላሽ እዋን ሓደጋን ድሕረ ሓደጋን ተበፃሒ ዝገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኣብዚ ጉዳይ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 2/3 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታትን ምፅዋር ከምዝኸኣለት ብምግላፅ፤ ንስግኣት ሓደጋ ተቃላዒ ዘይኮነ ማሕበረሰብን ሃገርን ንምህናፅ ውሽጣዊ ዓቕምና መሰረት ዝገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ ኢሎም።
ተሳታፊት እቲ መድረኽ ዝኾና ተወካሊት ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ወይዘሮ ኤልዳና ሱሌይማን ብወገነን፤ ነባር ፀጋ ምርድዳእ እቲ ክልል ትካላዊ ኣወዳድባ ንክህልዎ ብምግባርን ናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ብምጥቃምን ስግኣት ሓደጋ ከምዝቐነሰ ተዛሪበን።