ጉዳፍን ትዕግስትን ንሽልማት 'ብልፅቲ ኣትሌት ዓለም' ተሓጽየን

 

ንዓለም ለኸ ውድድራት ዘሳልጥ ትካል ኣትሌቲክስ ንኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓዊሱ፡ ንሰለስተ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ንሽልማት ብልፅቲ ኣትሌት ዓለም ሓፅዩ።

ክልተ ኢትዮጵያውያን - ጉዳፍ ጸጋይን ትዕግስት ኣሰፋን ከምኡ'ውን ኬንያዊት ፌይዝ ኪፕየጎ ኣብ ቀረባ እዋን መስተንክራዊ ብቕዓት ድሕሪ ምርኣየን፡ ንናይዚ ዓመት ብሉፅ ሽልማት ካብ ዝቐረባ 11 ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኮይነን ኣለዋ።

ኣትሌት ጉዳፍ ጸጋይ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዲያመንድ ሊግ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ዘመዝገበት ኰይና፡ ኣብ ውድድር ጉያ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ድማ ሻምፕዮን ዓለም እያ።

ትዕግስቲ ኣሰፋ ብወገና፡ ኣብ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን በርሊን ብምዕዋት ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ከምዘመዝገበት ይዝከር።

እታ ብሓካይም ከይትወዳደር ተነጊርዋ ዝነበረት ኣትሌት ትዕግስቲ በቲ ዘርኣየቶ ብቕዓት ኣዘራራቢት ኰይና ቀንያላ።

ገለ ተንተንቲ ኣትሌቲክስ፡ ኬንያዊት ጓል 29 ዓመት ኪፒየጎን ሰለስተ ሓደስቲ ክብረወሰናት ዓለም ዘመዝገበትሉ ዓመት ብምዃኑ፡ ነዚ ሽልማት ክትዕወት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምቱ።

ብሰለስተ መንገዲ ዝካየድ መስርሕ ድምጺ፡ ነተን ናይ መወዳእታ ዕዉታት ክውስን እዩ።

ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለምን ስድራቤት ኣትሌቲክስ ዓለምን ብኢመይል ድምጾም ክህቡ እንተለዉ፡ ደገፍቲ ድማ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድምጾም ክህቡ ከምዝኽእሉ ካብ ወርልድ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ንነፍሲ ወከፍ ሕጹይ ዝምልከት ምስሊ ምስ ሓበሬትኡ [ግራፊክስ] ኣብዚ ሰሙን ኣብ ፌስቡክ፣ ኤክስ፣ ኢንስታግራምን ዩቱብን ክዝርጋሕ ምዃኑ ይንገር።

ኣብ ፌስቡክ፡ ኢንስታግራምን ዩቱብን 'ላይክ' ወይ ኣብ ኤክስ ሪትዊት ምግባር ከም ሓደ ድምጺ ክቑጸር እዩ።

ድምጺ ቤት ምኽሪ ኣትሌቲክስ ዓለም 50 ሚኢታዊ ናይቲ ውጽኢት ክሽፍን እንተሎ፡ ድምጺ ስድራቤት ኣትሌቲክስ ዓለምን ድምጺ ደገፍትን ብነፍሲ ወከፎም 25 ሚኢታዊት ናይቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ክሕዙ እዮም።

ኣብ መዛዘሚ መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ዕዉታት ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮን ካብ 13-14 ሕዳር 2023 ኣብ ዘሎ እዋን ወግዓዊ ክግበር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም