ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ሽልማት ብሉፃት ኣትሌታት ተኻቲተን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ሽልማት ብሉፃት ኣትሌታት ተኻቲተን

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/30/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋን ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ሽልማት ብሉፃት ኣትሌታት ተኻቲተን።
ኣትሌቲክስ ዓለም ሽልማት ብሉፃት ኣትሌታት ዓመተ 2023 ዝርዝር 11 ሕፁያት ዕላዊ ገይሩ፡፡
ኣብቲ ውድድር ተዓዋቲት 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዳይመንድ ሊግ ወናኒት ክብረ ወሰንን ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ከምኡ እውን ኣብ ማራቶን በርሊን ክብረ ወሰን ብምስባር ዝተዓወተት ትእግስቲ ኣሰፋ ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ተኻቲተን፡፡
ብሕፁይነት ዝቐረባ ኣትሌታት ዝተመረፃ ካብ 6 ኣህጉራት ዝተውጻእፅኡ ሰብ ሙያ ብዝሓቖፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኤክስፐርትታት ዓለም ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ምሃብ ድምፂ ሽልማት ብሉፃት ኣትሌቲክስ እዚ ዓመት ካብ ዝተትሓዘ መወዳእታ ሰሙን ጀሚሩ ከምዝግበር ካብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡