ኢንዱስትሪታት ብዓመት ካብ ዝደልይዎ ጨው ውሽጢ እናቐረበ ዝርከብ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ ጥራይ ምዃኑ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢንዱስትሪታት ብዓመት ካብ ዝደልይዎ ጨው ውሽጢ እናቐረበ ዝርከብ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ ጥራይ ምዃኑ ተገሊፁ
አዲሰ አበባ/መስከረም/ 23/2016/ኢዜአ/ ኣብ መፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንእታዎት ብዓመት ካብ ዝድለ መጠን ጨው እናቐረበ ዝርከብ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።
ኣብ ድልየትን ቐረብን ጨው ኢንዱስትሪታት ዝጠመተ ዘተ መሻርኽቲ ኣካላት እናተሳለጠ 'ዩ።
ነቲ መድረኽ ዘተ ብመደረ ዝኸፈትዎ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ሃሰን መሓመድ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃፍቲ ጨው እንተሃለዋ 'ውን ነቲ ዘሎ ሃፍቲ ብዝግብኦ መጠን ኣብ ረብሓ ምውዓል ኣይተኽኣለን።
በዚ 'ውን አብ ዓመት ንእታዎት ኢንዱስትሪታት ካብ ዝድለይ ልዕሊ 26 ሚሊዮን ኩንታል ጨው እናቐረበ ዝርከብ ትሕቲ 50 ሚኢታዊ 'ዩ ኢሎም።
እዚ 'ውን ፍርያትን መፍረያይነትን ክንድቲ ዝድለ ንኸይውስኽ፣ ኤክስፖርትን ተካእቲ ፍርያታትን በቲ ዝድለ መጠን ንኸይፈርዩን ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንኸይፍጠርን ዕንቅፋት ፈጢሩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ብምዃኑ 'ውን እቲ ዘሎ ሃፍቲ ጨው ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ንኽውዕልን ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ንኽከኣልን ኹሎም መሻርኽቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።