ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሜዳልያ ንዘተዓወቱ ኣትሌታት መተባብዒ ሽልማት ሂቡ

 

አዲስ አበባ/መስከረም/22/2016/ኢዜአ/ ኣብ ላቲቪያ ሪጋ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጎደና ዓለም ንዝተኻፈለ ጉጅለ ልኡኻን ኢትዮጵያ መበረታትዒ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝሃበ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

በዚ 'ውን ወርቂ ንዘምፅኡ ኣትሌታት 45 ሽሕ ብር፣ ብሩር ንዘምፅኡ ኣትሌታት 35 ሽሕ ብር፣ ነሓስ ንዘምፅኡ ኣትሌታት 15 ሽሕ ብር ከምኡ 'ውን ዲፕሎማ ንዘምፅኡ ኣትሌታት 10 ሽሕ ብር ሽልማት ኣበርኪቱ።

ሓጋዚት ኮሚሽነር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ፣ እታ ንእሽተይ ኣንስተይቲ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ብሓደ ማይል ነታ ኬንያዊት ጥንኩርቲ ኣትሌት ካብ ምስዓር ሓሊፋ ሪከርድ ስለዝሰበረት እናመስገንኩ ሜዳልያ ብዘምፃእኹምን ንዝተሳተፍኩምን ጀጋኑ ኣትሌታትና ኢትዮጵያ ብኣኻትኩም ኮሪዓ። ካብ ልበይ የመስግን  ድማ ኢለን።

ብተወሳኺ 'ውን ንተሳትፎ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ንመራሒ ጉጅለ፣ ኣሰልጣኒን ኦፊሻልን ሓዊሱ ከከምደረጅኦም ዝተሸለሙ እንትኸውን ብሓፈሻ እቲ ፌዴሬሽን 585 ሽሕ ብር ንሽልማት ወፃኢ ከምዝገበረ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣብቲ ውድድር ዝነበሮም ፃንሒት ንኣትሌታት ብምውካል ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወትን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ንዘሎ ፀገም ተፃዊርና ኸምዚ ዓይነት ውፅኢት ብምምፃእና ከም ውልቀይን ከምሃገርን ፅቡቕ ' ደስ ኢሉና፤ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉያ ጎደና ዓለም  ክልተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ፣ብሩርን ሓደ ነሓስን ሜዳልያታት ብምርካብ ኻልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ከምዝዛዘመት ዝዝከር 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም