ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ዕውት ንምግባር ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ዕውት ንምግባር ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ

ጂንካ/መስከረም 19/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ዕውት ንምግባር ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መንግስታውን ውልቃውን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ 14 መስከረም 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር እናሳለጡ ምዃኖም እቲ ቢሮ ገሊፁ።
ኣማኻሪ መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልልን ኣይተ ተስፋዬ ደፋሩ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ዕውት ንክኸውን ትኹረት ተዋሂብዎ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም።
ኣብቲ ክልል 2 ሽሕን 233 ቀዳማይ ብርኪ 284 ድማ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ እንትኸውን ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ተምሃሮ ተመዝጊቦም ትምህርቶም ምክትታል ከምዝጀመሩ ገሊፆም።
እቲ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ካብ 2014 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ 1ይ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ዝተመረፁ ኣብያተ ትምህርቲ ብብርኪ ሙኮራ ተግባራዊ ተገይሩ ውፅኢታዊ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሎሚ ዘበን ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተጀመረን ንዕውትነቱ እውን እኹል ምድላው ከምዝተገበረን ኣረዲኦም።
ሎሚ ዘበን ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ብስፍሓት ከምዝሳለጡ ብምሕባር፤ መማህራን፣ ወለዲ፣ኣመራርሓ ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እጃሞም ንክዋፅኡ ሓቲቶም።