ኃይቅ ሆራ አርሰዲ በህላውን ታሪካውን ትሕዝቱኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዐ ዘክእል ስራሕ ክጅመር እዩ -ምምሕዳር ከተማ ቢሸፍቱ - ኢዜአ ትግርኛ
ኃይቅ ሆራ አርሰዲ በህላውን ታሪካውን ትሕዝቱኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዐ ዘክእል ስራሕ ክጅመር እዩ -ምምሕዳር ከተማ ቢሸፍቱ

አዲስ አበባ/ መስከረም 19/2016/ኢዚአ/ ባዓል ኢሬቻ ዝክበረሉ ኃይቅ ሆራ አርሰዲ በህላውን ታሪካውን ትሕዝቱኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዐ ዘክእል ስራሕ ክጅመር መኩኑ ምምሕዳር ከተማ ቢሸፍቱ አፍሊጡ።
መክትል ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ገዛኸኝ ደጀኔ ንኢዜአ ከምዝገለፅዎ ኃይቅ ሆራ አርሰዲ በህላውን ታሪካውን ትሕዝቱኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንምልማዐ ዘክእል ምድላው እናተገበረ እዩ።
እቲ ስራሕ ምልማዐ አብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ከም ዝዛዘምን ንሎሚ ዓመት ስራሕ ጥራይ ናይ 150 ሚሊዩን ብር በጀት መጀመሪ ፕሮጀክት ዝከውን ከመተትሓዘሉ ሓቢሮም።
አቲ ፐሮጀክት ሃይቅ ሆራ አረሰዲ ጎብነይቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዓምት ሙሉኡ ዝዘናግዐሉን ዝርያ እቲ ሃይቅ ብዝበለፀ ሳሓባይ ንምገባር ዝዓለመ ምኩኑ ገሊፆም።