ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ንምፍታን ዘኽእል ምድላው እናገበሩ ከምዝርከቡ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ተዛሪቦም።

 

አዲስ አበባ/መሰከረም/19/2016/ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ንምፍታን ዘኽእል ምድላው እናገበሩ ከምዝርከቡ ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ተዛሪቦም።

ተፈተንቲ ተምሃሮ  ከምዝተዛረብዎ፤ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናብ ትምህርቲ ብምምላስና ተሓጒስና። በቲ ዝተፈጠረ ሕማቕ ኩነታት እንተሓዘንና 'ውን ንዓመታት ዝተቛረፀ ትምህርቲ ኣብዚ ሕዚ ምጅማሩን መከሓሓሲ መርሃ ግብሪ ስለዝተገበረን ንፈተና እናተዳለውና ኢና ኢሎም።

ይኹን 'ምበር በቲ ሕዚ ዝተረኸበ ሰላም ናብ ትምህርቲ ምምላስናን ብፈተና ፅቡቕ ውፅኢት ንኽነምፅእ ብዝተገበረልና ስነ-ልቦናዊ ምድላውን ኣዚና ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ጊዚያዊ ተወካሊ እቲ ቤት ትምህርቲ ርእሰ መምህር ፀጋይ ገብረመድህን ብወገኖም እቲ ፈተና መስከረም 29/2016 .ም ከም ዝዋሃብ ብምግላፅ እቲ መጠናከሪ ትምህርቲ ንዝሓለፉ ሰለስተ ወርሓት ክዋሃብ ፀኒሑ ክብሉ ፀሪሖም፡፡

አብ ክልል ትግራይ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ከባቢ 11 ሸሕ ከምዝኮኑ መረዳእታ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ የመላክት፡፡

ነቲ ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ አብ አርባዕቲኦም ዩኒቨርሲታት ናይ መካሓሓሲ ትምህርቲ አብ ምውሳድ ከም ዝርከቡ ይፍለጥ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም