አብ ክልል አምሓራ ልዕሊ 1ነጥቢ 8 ሚሊዮን ንዝኮኑ ሰባት ክተበት መከላከሊ ሕማም ኮሌርያ ተወሂቡ -ትካል ጥዒና ሕብረተሰብ

 

ባህር ዳር/ መስከረም /19/2016/ኢዜአ/አብ ክልል አምሓራ ልዕሊ 1ነጥቢ 8 ሚሊዮን ንዝኮኑ ሰባት ክተበት መከላከሊ ሕማም ኮሌርያ ከም ተውሃበ ትካል ጥዒና ሕብረተሰብ እቲ ክልል አፍሊጡ

አብቲ ትካል ዳይሪክተር ምቁፅፃርን ምክልካልን ሓደጋታት ጢዒና ሕብረተሰብ አይተ አብርሃም አምሳሉ ንኢዚአ ከምዝገለፅዎ አብቲ ክልል ንዝተከሰተ ሕማም ኮሌርያ ንምክልካል ካብ ወርሒ መስከረም ዕለት 5 2016 ዓ/ም ክታበት ክዋሃብ ፀኒሑ እዩ።

እቲ ክታበት ንከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ነቲ ሕማም ተቃላዕቲ አብ ዝኮኑ ትሽዓተ ወረዳታት እውን ተዋሂቡ ኢሎም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም