ሕፅረት ደም ከይህሉ ዜጋታት ደም ንኽልግሱ ፃውዒት ቐሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕፅረት ደም ከይህሉ ዜጋታት ደም ንኽልግሱ ፃውዒት ቐሪቡ

አዲስ አበባ/መስከረም/19/2016/ኢዜአ/ ብብርኪ ሃገር ንሕክምና ዝውዕል ሕፅረት ደም የጋጥም ብምህላዉ ማሕበረሰብ ደም ንኽልግስ ግልጋሎት ባንኪ ደምን ሕብረ ህዋስን መልእክቲ አማሓላሊፉ ።
ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 427 ሽሕ 526 ዩኒት ደም ንምእካብ ተተሊሙ ነዚ ንምዐዋት ድማ ዜጋታት ትፅቢት ዝግበረሎም ለግሲ ብምፍፃም ሂወት ዜጋታተም ንምዐቃብ ክረባረቡ ይግባእ ተባሂሉ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ኣይተ ሃብታሙ ታዬ ከምዝገለፅዎ ብብርኪ ሃገር ካብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሕፅረት ደም ስለዘጋጠመ ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታት ደም ብምልጋስ ክቡር ዝኾነ ህይወት ሰብ ከትርፉ ይግባእ።
ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 427 ሽሕ 526 ዩኒት ደም ንምእካብ ተተሊሙ።