ፕሮጀክት ገበታ ንሃገር ኮይሻ ዘለውና ፀጋታት ተፈጥሮ ናብ ልምዓት ምቕያር ከምዝከኣል መርኣያ እዩ-ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ

 

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 19/2016 (ኢዜኣ) ̎ፕሮጀክት ገበታ ንሃገር ኮይሻ ዘለውና ፀጋታት ተፈጥሮ ናብ ልምዓት ምቕያር ከምዝከኣል መርኣያ እዩ ̎ክብላ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ተዛሪበን።

ቅነ ቱሪዝም ዓለም ምኽንያት ብምግባር ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንታ ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ ስፍራታት መስሕብ ቱሪዝም ጎብንዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ፤ ኮንታ ብምንግስቲ ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ፍሉይ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ስፍራታት እቲ ሓደ ምዃኑ ገሊፀን።

ብሄራዊ ፓርክ ጨበራ ጩርጩራ 4 ሽሕን 100 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዘለዎ እንትኸውን፤ ኣብ ውሽጡ ዓበይቲ ሩባታት፣ቃላያትን መንጫዕጫዕታትን ዝሓቖፈ ምዃኑ እውን ኣረዲአን።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኮንታ ነጋ ኣበራ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ዞባ ወናኒ ብዙሓት ሩባታት፣ቃላያትን ደንታትን እዩ።

ኣብቲ ከባቢ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኮይሻ ከምዝርከብ እውን ፀሪሖም።

ድሕሪ ለውጢ ናይ ቀደም ፍሉይ ወረዳ ኮንታ ናብ ዞባ ካብ ምዕባዩ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ተረባሕነት ዝውስኹ ስራሕቲ ልምዓት ተሳሊጦም እዮም ኢሎም።

ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽ ስፍራታት መስሕብ ቱሪዝም ጎብንዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም