ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ቱሪዝም ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።  

 አዲስ አበባ /መስከረም/19/2016/ኢዜአ/ ንቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፁ ግልጋሎታት ቱሪዝም ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።  

መዕርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም ተዛዚሙ ብቕልጡፍ ስራሕ ንኽጅምር ብብርኪ መንግስቲ ሓላፍነት ተወሲዱ እናተሰርሐ ከምዝኾነ 'ውን ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ኣይተ ስለሺ ግርማ ከምዝተዛረብዎ፤ መንግስቲ ንቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ሓዊሱ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፁ መስሕባት ቱሪስት ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኽኣትዉ እናሰርሐ 'ዩ።

ከምገለፃ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ኵናት ስዒቡ ጉድኣት ዝበፅሖም መስሕባት ቱሪስት ምስ በዓልመዚ መፅናዕትን ሓለዋን ቕርሲ ብምዃን ስራሕቲ ፅገና እናተሰርሐ ይርከብ።

ቱሪዝም እቲ ክልል ንምንቕቓሕ ምስ ውልቃዊ ትካላት ስራሕቲ ንምስራሕ ዝግበር ኸይዲ ከምዘሎ ዘመላኸቱ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፤ ንተዋሳእቲ እቲ ዘፈር ስልጠናን ከልእን አድላይ ምትሕብባር ይግበር ከም ዘሎ አረዲኦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም