ኣብ ክልል ሲዳማ ብአግልጋሎት ኽረምታዊ ሰናይ ፍቓድ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ዝገብሩ ወለንታዊ ስርሓትታት ተሳሊጦም

 

አዲስ አበባ/መስከረም/19/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ሲዳማ ብአግልጋሎት ሰናይ ፍቓድ ኣዋርሕ ኽረምቲ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ንሓደ ሚሊዮንን 640 ሽሕን ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቀምቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይን ማሕበራዊ ጉዳያትን እቲ ክልል ገሊፁ።

 በቲ ዝተገበረ ምንቅስቓስ 'ውን ካብ መንግስቲ ወፃኢ ክግበር ዝነበረ ልዕሊ 722 ሚሊዮን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ።

ምክትል እቱ ቢሮን ሓላፊ ዘፈር መናእሰይን ኣይተ ደስታ ለገሰ ከምዝበልዎ፤ ብግልጋሎት ኽረምታዊ ሰናይ ፍቓድ 13 ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ተፈልዮም ናብ ስራሕ ተኣትዩ።

 

በዚኣቶም 'ውን ልዕሊ 731 ሚሊዮን ብር ዝግመቱ ስራሕቲ ልምዓት ብምስራሕ ሓደ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚሊዮን ክፋላት ሕብረተሰብ ተጠቀምቲ ንምግባር ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣዘኻኺሮም።

ዛጊድ 'ውን ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ልዕሊ 722 ሚሊዮን ብር ዝግመቱ ተግባራት ልምዓት ከምዝተሰርሑ ገሊፆም፤ እቲ ወለንታዊ ተግባር አብ ካልኦት ተግባራት እውን ክቅፅል ምኩኑ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም