ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል  መግቢን ከልኦት ሓገዝ ምግቢን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/18/ 2016 /ኢዜአ/ኮሚሽን ኣመራርሓ ሓደጋ ስግኣት ፌዴራል ንተመዛበልቲ ወገናት ዝውዕል 126 ሺሕ ኩንታል ምግቢ ከምዝገበረ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ቅድመ ድልዉነትን መጠንቀቕታን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ምግቢ÷ ስርናይ፣ ሕሩጭ ስርናይ፣ ፋፋን ዘይትን ዘካተተ ከምዝኾነ ዳይሬክተር እቲ ኮምሽን ኣይተ ገብረዝጋብሄር ኣረጋዊ ገሊፆም።

እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ንመዛበልቲ ጥራሕ ከምዝወሃብን ቀዳምነት ዝዉሃቦም ወገናት ቀዳምነት ብምሃብ ከምዝከፋፈልን ኣብሪሆም።

745 ሺሕ ተመዛበልቲ ወገናት ቀለብ ሓደ ወርሒ ከምዝሽፍን ሓገዝ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ገብረዝጋብሄር÷ ነዞም ወገናት ቀልጢፉ ክበፅሕ ናብ ወረዳታት ንምብፃሕ ምጉዕዓዝ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም