ሕብረት ስራሕ ዩኒየን ሓረስቶት ቡና ይርጋጨፌ ንልዕሊ 45 ሽሕ ተምሃሮ ደገፍ ገይሩ

 

ዲላ/መስከረም 18/2016 (ኢዜኣ) ሕብረት ስራሕ ዩኒየን ሓረስቶት ቡና ይርጋጨፌ ልዕሊ 11 ሚልዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ደገፍ ንዝደልዩ ልዕሊ 45 ሽሕ ተምሃሮ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒዮን፤ ኣብቲ ዞባ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ብምኽንያት ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ዕድል ትምህርቲ ንከይስእን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብምሕጋዝ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ እናተዋፅኣ ምዃኑ እውን ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ዩኒየን ጨንፈር ዲላ ኣይተ ክፍሌ ኣየለ ከምዝበልዎ፤ እቲ ደገፍ 28 ኣባላት ስራሕ ማሕበራት ኣቢሉ ናብ ተምሃሮ እናተኸፋፈለ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ዞባ ጌድኦን ደገፍ ንዝደልዩ ልዕሊ 45 ሽሕ ደቂ ሓረስቶት ተረባሕቲ ከምዝኾኑን ነቶም ናውቲ ትምህርቲ ልዕሊ 11 ሚልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረሎምን ኣፍሊጦም።

እቲ ዩኒየን፤ ኣብቲ ዞባ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ብምኽንያት ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ገዝኡ ንከይውዕል ዝግበር ፃዕሪ እናሓገዘ ምዃኑ ተወካሊ ሓላፊ መምርሒ ትምህርቲ ዞባ ጌድኦ ኣይተ ብርሃኑ ዘውዴ ገሊፆም።

ካብቶም ደገፍ ዝተገበረሎም ወለዲ ተምሃሮ ሓረስታይ ኤፍሬም ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ እቲ ዩኒየን ዝገበሮ ደገፍ መምሃሪ ደቅና ንከይንጭነቕ ዝገበረ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም