በዓላት ኣደባባይ ብዝበለፀ ንክፍለጡ ብምግባር ኣብ እቶት ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ምዕባይ ይግባእ

ኢትዮጵያ ካብ ዘፈር ቱሪዝም  እትረክቦ እቶት ክብ ንክብል ኩሉ ዜጋ ባህሉ ሓልዩ ንባህላዊ ትሕዝቶታቱን ሓድግታቱን ከላልይን እቶቱ ከደንፍዐን ትፅቢት ይግበረሉ ተባሂሉ

አዲስ አበባ/መስከረም/18/2016/ኢዜአ/ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ በዓላት ኣደባባይ ብብርኪ ዓለም ለኸ ብዝበለፀ ክፍለጡ ብምግባር ኣብ እቶት ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ንክዓቢ ምግባር ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ቱሪዝም ገሊፆም።

በዓልሞያ ሆቴልን ቱሪዝምን ኣይተ ኣሸናፊ ደስታ  ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኽበሩ በዓላት ኣደባባይ ንዕብየት እቶት ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ዝለዓለ 'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ባህልን ዝንፀባረቐሎም ብርክት ዝበሉ በዓላት ኣደባባይ ከምዝኽበሩ ኣልዒሎም፤ በቶም በዓላት ኣደባባይ ሃይማኖት፣ ባህልን ትውፊትን ኢትዮጵያውያን ብሰፊሑ ስለዝንፀባረቕ ብዙሓት ዑደተኛታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስሓብ ከምዝከኣል ተዛሪቦም።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድም ዝተፈላለዩ ጎንፅታትን ቑፅሪ ናብ ኢትዮጵያ ይመፅኡ ዝነበሩ ቱሪስትታት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ምንካይ ከምዘዘንበለ ሓቢሮም፤ ኣብዚ ሕዚ ሓዚ እዋን ግና በዝሒ ቅፅሪ ዑደተኛታት ይውስክ ከም ዘሎ ተዛሪቦም

 ኮይኑ እውን ነቲ ሓዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዐድል ብምጥቃም ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ እዚ ዘፈር እትረክቦ እቶት ክብ ንክብል ኩሉ ዜጋ ባህሉ ሓልዩ ንባህላዊ ትሕዝቶታቱን ሓድግታቱን ከላልይን እቶቱ ከደንፍዐን ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም