ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ውድድር ጉያ ተሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ውድድር ጉያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/16/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር ካብ ማእኸል ፒያሳ ክሳብ እንዳስላሰ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ።
እቲ ጉያ፥ ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ፥ ካብ ፌደረሽን ኣትሌቲክስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢንያም ምሩፅ ይፍጠር፣ ኣትሌት የማነ ፀጋይ፣ ካልኦት ኣመራርሓ መንግስቲ ጊዚያዊ ምምሕዳርን ማሕበር ዓጋመን ኣጀሚሮምዎ።
ካብ ማእኸል ፒያሳ ክሳብ እንዳስላሰ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።