መናእሰይ ከተማ ኣዳማ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ብምዃን በዓል ደመራ ዝኽበረሉ ኣደባባይ ኣፅርዮም - ኢዜአ ትግርኛ
መናእሰይ ከተማ ኣዳማ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ብምዃን በዓል ደመራ ዝኽበረሉ ኣደባባይ ኣፅርዮም

ኣዳማ/መስከረም 16/2016 (ኢዜኣ) መናእሰይ ከተማ ኣዳማ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ብምዃን በዓል መስቀል ደመራ ዝኽበረሉ ኣደባባይ ኣፅርዮም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፅሬት፤ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ሸዋ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብጹዕ አቡነ ጎሮጎሪዮስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መስቀል በዓል ሓድነት፣ሓባራዊነትን ብርሃንን ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ በዓል ኩሉ ኣብ ኣደባባይ ወፂኡ ዝሳተፈሉ ምዃኑ ብምሕባር፤ መናእሰይን ኣመራርሓን ከተማ ኣዳማ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለዩ እምነታት ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት ንዘሳለጥዎ ስራሕቲ ፅሬት ኣመስጊኖም።
ብተወሳኺ እውን ኩሉ ንሰላም ሃገርናን እታ ከተማን ብሓድነት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ተወካሊ መናእሰይ ከተማ ኣዳማ መንእሰይ ኦሊፈን ግርማ ከምዝበሎ፤ ካብ ውዳበታት መናእሰይ እታ ከተማ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ብምዃን ስራሕቲ ፅሬት ኣሳሊጦም።
እቶም ውዳበታት መናእሰይ ሰላም እታ ከተማን ከባቢኦምን ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እቲ ሕብረተሰብ እውን ንቑሕ ተሳትፎ እናገበሩ ምዃኖም ኣረዲኡ።
እቲ በዓል ብሰላም ንክኽበር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሑ ምዃኖም ብምግላፅ፤ ሎሚ ዘሳለጥዎ ወፍሪ ፅሬት እውን መናእሰይ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እናተሳተፉ ምዃኖም መርኣያ እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ፅሬት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውድብ ብልፅግና ከተማ ኣዳማ ኣይተ ኣሸናፊ ኣጀማ ብግደኦም፤ ውዳበታት መናእሰይ እታ ከተማ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሰናይ ፍቓድን እናተሳተፉ ምዃኖም ተዛሪቦም።
መናእሰይ ሰላም እታ ከተማን ከባቢኦምን ብምሕላው ዝገብርዎ ዘለው ኣዎንታዊ ኣስተዋፅኦ ብምጥንኻር በዓላት መውሊድ፣መስቀልን ኢሬቻን ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክኸበሩ ዝገብረዎ ዘለው ምትሕብባር ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ኣተሓሳሲቦም።