ዒራቕ፡ ኣብ ሓደ መርዓ ዘጋጠመ ባርዕ ልዕሊ 100 ሰባት ቀቲሉ

 

አዲስ አበባ/መስከረም/16/2016/ኢዜአ/ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ ሓደ ጽንብል መርዓ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 150  ዝኮኑ ሰባት ድማ ጉድኣት ወሪድዎም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ናይንቨህ ከተማ ኣልሓምዳን ኣብ ዘጋጠመሉ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ዕዱማት መርዓ ይጽንብሉ ነይሮም።

መበገሲ ናይቲ ሓዊ ዛጊድ ዘይተረጋገጸ ኰይኑ፡ መጀመርታ ግን ርችት ድሕሪ ምትኳሱ ከምዝተፈጠረ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።

መርዓውን መርዓትን ካብቶም ዝሞቱ ወይ ዝተጐድኡ እንተዀይኖም ዝተፈለጠ ነገር የለን።

መራኸቢ ብዙሃን ዒራቕ እቶም መርዑ ከምዝሞቱ ዝገለፀ ኮይና፡ ጸኒሑ ግን ወኪል ዜና ኒና ብህይወት ከምዝተረፉን ንዘጋጠሞም ምቅጻል ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎን ጸብጺቡ ።

ኒናን ካልኦት ጋዜጠኛታትን፡ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ንዘካየድዎ ጻዕሪን እቲ ዝወረደ ዕንወትን ዘርእዩ ኣሳእልን ዘርጊሖም ኣለዉ።

ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ብቐሊሉ ዝቃጸሉ ገርዚታት [ፓነላት] እቲ ሓዊ ክጋፋሕ ኣበርክቶ ከምዝገበሩን  ገለ ክፋል  ናይቲ ህንጻ ከምዝወደቐን ማዕከን ዜና ዒራቕ ጸብጺቡ።

ዳይረክቶሬት ክፍሊ ምክልኻል ሲቪላት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ህንጻ ካብብቐሊሉ ዝቃጸል፡ ሕሱርን ሓዊ ኣብ ዝለዓለሉ ብቐሊሉ ዝዓኑን ማተሪያል ዝተሰርሐብምዃኑ እቲ ዕንወት ከምዘጋጠመ ኣፍሊጡ።

ሮይተርስ ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ፡ ረቡዕ ንግሆ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ኣብ ፍርስራስ እቲ ህንጻ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ንምርካብ እለሻ ከካይዱ የርኢ።

እቲ ህንጻ ምቅጻል ኣብ ዝጀመረሉ፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ውሽጡ ጽንብል መርዓ የካይዱ ምንባሮም መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ሓዊ ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ርኢና። እቶም ዝኸኣሉ ወጺኦም እቶም ዘይከኣሉ ግን ተዓጽዮም ተሪፎም። እቶም ዝወጹ እውን ጉድኣት ወሪድዎም እዩ ነይሩክብል ካብቲ ሓዊ ዘምለጠ ዕማድ ዮሃና ንሮይተርስ ገሊጹ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ግዝኣት ናይንቨህ ሓሰን ኣልዓላቕ፡ በቲ ሓደጋ 113 ሰባት ምማቶም ከምዝተረጋገጸ ንሮይተርስ ዝሓበረ ኰይኑ፡ ማዕከን ዜና ዒራቕ ግን ብውሑድ 100 ሰባት ከምዝሞቱን 150 ጉድኣት ከምዝወረዶምን ጸብጺቡ።

ብሓዊ ዝተቓጸለ ስነ ስርዓት መርዓ ዝካየደሉ ዝነበረ ቦታ

እቶም ዝተጐድኡ ሰባት ኣብታ ግዝኣት ናብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ከምዝተወሰዱ ዝገለጸ ኣመሓዳሪ እታ ግዝኣት ድማ፡ ቍጽሪ ዝሞቱን ጕድኣት ዝወረዶምን ክውስኽ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

ብዙሓት ነበርቲ ነቶም ጕድኣት ዝወረዶም ንምሕጋዝ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት ሞሱል ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ እትርከብ ሕምዳንያ ናብ ዘሎ ሆስፒታል ብምኻድ ደም ይልግሱ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን X (ትዊተር) ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ ሰብመዚእቶም በቲ ዘሕዝን ሓደጋ ዝተጐድኡ ሩፍታ ክረኽቡ ዘድሊ ጻዕሪ ኵሉ ክግበርኣዚዙ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም