መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡሩሃን ምስ ተናሓኒሂኦም መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንኽዝቲ ፍቓደኛ ከምዝኾኑ ገሊፆም። - ኢዜአ ትግርኛ
መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡሩሃን ምስ ተናሓኒሂኦም መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንኽዝቲ ፍቓደኛ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

አዲስ አበባ/መስከረም/12/2016/ኢዜአ/ መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡሩሃን ምስ ተናሓኒሂኦም መራሒ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ንኽዝትዩ ፍቓደኛ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነታ ሃገር ንምቁጽጻር ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ይርከቡ።
ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ምስቲ ተናሓኒሂኦም መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ - ሕሜቲ ብመርህ ደረጃ ኮፍ ኢሎም ክዝትዩ ቅሩብ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5 ሽሕ ሱዳናውያን ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ብዘይካ'ዚ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብ 2021 ብዕልዋ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጡ ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ድሕሪ ምስምዖም ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻኒሒት ገይሮም።
እቶም ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሑ ጀነራል፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ንምርካብን ንመሪሕነቶም ኣፍልጦ ክወሃቦምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።
ጀነራል ኣልቡርሃን ከምቲ ፈለማ ቃል ዝኣተውዎ ስልጣን ናብ ሲቪሊያዊ ምምሕዳር ከረክቡ ኣይከኣሉን። ዝመርሕዎ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ ንዝብል ክሲ’ውን ይነጽግዎ።
እንተኾነ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፡ መንበሪ ኣባይቲ እንከይፈለዩ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ትካላት ረድኤት መረዳእታ ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ኵናት ብዓወት ሰራዊቱ ከምዝዛም ‘ዘጠራጥር የብለይን’ ዝበሉ ጀነራል ኣልቡርሃን ማእከል መአዘዚኦም ናብ ፖርት ሱዳን ከዛውር ከምዝተገደደ ግን ኣይሓቡኡን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ እታ ከተማ ማእኸል መንግስቲ ኮይና ክትቅጽል ኣይከኣለትን።
ምስ ተቐናቓኒኡ ጀነራል ሕሜቲ ናብ ዘተ ከምርሑ ዝኽእሉ ኣብ ጅዳ ሱዕድ ዓረብ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ንምውሓስ ዝኣተውዎ ውዕሊ ምስ ዝኽበር ጥራይ ከምዝኾነ ጀነራል ኣልቡርሃን ተዛሪቦም።
“ኣብ ዘተ ንኽንሳተፍ ቅሩባት ኢና” ክብሉ ድማ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ጀነራል ኣልቡርሃን ኣስዒቦም “መራሕቲ እዞም ጨፍጨፍቲ ሓይልታት ናብ ሕሊናኦም ተመሊሶም ንሰራዊቶም ካብ ከባቢታት መንበሪ ኣባይቲ ኣውጺኦም ናብ መዓስከሮም ዝምልሱ እንተኾይኖም ንዘተ ሰላም ኮፍ ክንብል ኢና። ነቲ ኣብ ጅዳ ዝተሰማማዕናዮ ውዕሊ ዘኽብሩ እንተኾይኖም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ክንዘራረብ ኢና” ኢሎም።
ጀነራል ሕመቲ ኣብዚ ሰሙን ብቪድዮ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ንፖለቲካዊ ዘተ ድልዊ ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ተኹሲ ደው ንምባል’ኳ ብተደጋጋሚ እንተተዛተዩ እቲ ኵናት ግን ክሳብ ሕዚ ደው ኣይበለን።
ጀነራል ኣልቡርሃን ሃገሮም ከም ሶማልያን ሊብያን ክትመቓቐል ትኽእል እያ ንዝብል ሻቕሎት ኣትሪሮም ተቓዊምምዎ።
“ሓድነት ሱዳን ክጸንዕ’ዩ። ሱዳን ኣይትትንከፍን'ያ። መንግስቲ ኣልቦ ሃገር ኣይትኸውንን። ኣብቶም ካልኦት ዝጠቐስክዎም ሃገራት ዘጋጠመ ነገር ኣብ ሃገርና ክኸውን ኣይንደልን።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደ ዕላማ ሰሚሩ’ዩ ዘሎ። እዚ እኩይ ተግባር ድማ ብሰላም ወይ ከዓ ብኵናት ክውዳእ’ዩ” ክብሉ ጀነራል ኣልቡርሃን ተዛሪቦም።