ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ፈተነ ክታበት ኤችኣይቪ፡ይግበር ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ፈተነ ክታበት ኤችኣይቪ፡ይግበር ኣሎ

ደቡብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ሓድሽ መከላኸሊ ክታበት ኤችኣይቪ ምፍታን ከም ዝጅምራ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ድማ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክሊኒካዊ ፈተነ ዝሳተፉ ሰባት ክምዝግባ ጀሚረን ኣለዋ።
ብመሰረት ሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣመሪካ፡ እቲ ቪኣይኣር-1388 ዝተባህለ ክታበት፡ ንኣካላት ቲ-ዋህዮታት ንምሕጋዝ ዝተዳለወ እዩ።
ቲ-ዋህዮታት ኣካል ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ኰይኖም፡ ካልኦት ዋህዮታት ጸገም ከይህልዎም ድማ ይቈጻጸሩን ይምርምሩን።
እቲ ክታበት፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም "ኤችኣይቪ ከለልዩን እቲ ቫይረስ ሕዱር ረኽሲ ከይምስርት ንምክልኻል ምላሽ ሕማም ምክልኻል ከለዓዕሉን ዝኽእሉ" ቲ-ዋህዮታት ንኸፍሪ ንምትብባዕ ዝዓለመ’ዩ።
እቲ ፈተነ ክታበት ብሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣሜሪካ፡ ቢልን ሜሊንዳ ጌትስን ፋውንደሽንን ኣመሪካዊ ኩባንያ ቪር ባዮቴክኖሎጂን’ዩ ዝካየድ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ቦታታትን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ቦታታትን፡ 95 ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ከሳትፍ እዩ።
ፈላማይ ውጽኢት ፈተነ ክታበት ኣብ መወዳእታ 2024 ከም ዝግለጽ ሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣመሪካ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ገለ ተሳተፍቲ ንሰለስተ ዓመት ኣብቲ ፈተነ ምስታፍ ክቕጽሉ እዮም።
ሃገራዊ ትካላት ጥዕና ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሕዚ ተመሳሳሊ ፈተነታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ 2020 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈተነ ክታበት፡ ሕማም ኤይድስ ንዘስዕብ ኤችኣይቪ ቫይረስ ንኽከላኸል ተስፋ ዝተገብረሉ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ ልዕሊ 5,000 ሰባት ተሳቲፎም እዮም።
ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኤችኣይቪ ዘለዉ ኰይኖም፡ እዚ ክታበት ብዙሓት ሰባት ብኤችኣይቪ ካብ ዝልከፉለን ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝዀነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ዓይነት ኤችኣይቪ ንምክልኻል እዩ ተዳልዩ ነይሩ።
እዚ ክታበት ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝርከቡ ዓይነታት ኤችኣይቪ እውን፡ ክታበት ንምድላው ክሕግዝ ተስፋ ነይሩ።
ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣመሪካ፡ ነቲ ፈተነ ድሕሪ ምግምጋሙ፡ ንኤችኣይቪ ክከላኸል ከም ዘይከኣለ ኣረጋጊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክግበር ዝተሓሰበ ካልእ መርመራ ክታበት ኤችኣይቪ ከም ዘቋረጸ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብቲ ምርምር ዝተዋፈሩ ሰብሞያ ግን፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ ግን፡ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል እምነት ነይርዎም።
ዋላ'ኳ ሰባት በዚ ሕማም ንከይተሓዙ ዝከላኸል በብመዓልቱ ዝውሰድ ‘ፕሪ-ኤክስፖዠር ፕሮፋይላክሲስ’ ዝተባህለ መድሃኒት እንተሃለወ፡ በብመዓልቱ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ክታበት ክኸውን ኣይከኣለን።
ተመራመርቲ እዚ ዓውዲ ኣብ ዘዳለውዎም ኣፋውስ፡ መድሃኒት ጸረ-ኤችኣይቪ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዝርከብ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንክነብሩን ጥዕነኦም ንክሕለውን ኣኽኢሉ እዩ።
ሰብሞያ፡ ዋላ'ኳ ኤችኣይቪ ንምክልኻልን ንምሕካምን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት እንተሃለዉ፡ ሰባት ብቫይረስ ኤችኣይቪ ንከይተሓዙ ዝገብር ክታበት ምርካብ ግና ወሳኒ ጉዳይ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።
ኤችኣይቪ ሕዚ’ውን ቀንዲ ዘተሓሳስብ ጸገም ጥዕና ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ክሳዕ ሓምለ 2023 ኣስታት 40 ሚልዮን ብሰንኪ እዚ ከም ዝሞቱ ይግመት።
ኣብ መወዳእታ 2022 ብገምጋም 39.0 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ኰይኖም፡ ካብዚኦም ክልተ ሲሶ (25.6 ሚልዮን) ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝርከቡ እቲ ውድብ ይሕብር።
ካብ ረኽሲ ኤችኣይቪ ዘሕዊ መድሃኒት ሕዚ’ውን የለን። ይዅን እምበር፡ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ ሰባት ነዊሕን ጥዑይን ህይወት ክመርሑ ዘኽእሎም፡ ክመሓደር ዝኽእል ሕዱር ኵነታት ጥዕና ኰይኑ ይርከብ።
ዝርግሐ ኤችኣይቪ ብደረጃ ዓለም ሕዚ’ውን እናቐጸለ ይርከብ።
ቅድሚ ሕዚ ምንካይ ዝረኣያ ሃገራት ሓደስቲ መልከፍቲ ናይ ምውሳኽ ኣንፈት ከም ዘጋጠመን ይሕብራ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ይርከብ ከም ዘሎ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ ለብዒ ትሕቲ 25 ዓመት ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ከም ዝዀነ ጸብጻባት ጥዕና እቲ ክልል የመልክቱ።
ንሕብረተሰብ ዓቢይ ሓደጋ ዝዀነ “ለበዳ” ይርአ ከም ዘሎ ምንጪታት ሆስፒታላት፡ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ማሕበራት ምክልኻልን ምቍጽጻርን ኤችኣይቪ ከምኡ’ውን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ኣተሓሲሶቦም እዮም።