ዘላቒ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ብምዕዋት ሓባራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕ የድሊ

 

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 9/2016 (ኢዜኣ) ዘላቒ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ብምዕዋት ሓባራዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እናተኻየደ እዩ።

ጎና ጎኒ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተሳልጦ ዘላ ዓለም ለኸ ኢንሼቲቭ ልምዓት ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ዕንቅፋታት እናጋጠምዎ እዮም ኢሎም።

ድኽነት ብምሽናፍ ብልፅግና ንምርግጋፅ ፈተናታት ክሻገር ዝኽእል ውፅኢታዊ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ምኽታል ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

እቲ ዓለም ለኸ ኢንሼቲቭ ምትሕብባር ልምዓት ሽቶታት ልምዓት 2030 ንምዕዋት ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ዘጋጥሙ ፀገማት መፍትሒ ንምሃብ ረብሓ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ጆኦ ፖለቲካዊ ረፅሚ ኣብ ልዕሊ ምትሕብባር ልምዓታት ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር ልምዓት ንክጠናኸር ዕድል ከምዝፈጥር እውን ገሊፆም።

ዛዕባ ልምዓት 2030 ተግባራዊ ንምግባር ዓለም ለኸ ኢንሼቲቭ ልምዓት ኩለመዳያዊ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ምጥያሹ ዝተባባዕ ምዃኑ ሓቢሮም።

እዚ ግብረ ሓይሊ እዚ ኣብ ውሕመ ንክፀድቕ ዓብይ ኣበርክቶ ንዝነበሮም ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም