ኣብ ኣፍሪካ ብኽነት ድሕረ ምህርቲ ብምቕናስ ውሕስና ምግብን ዘላቒ ልምዓትን ክረጋገፅ ይግባእ-ኮሚሽነር ጆሴፍ ሳኮ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኣፍሪካ ብኽነት ድሕረ ምህርቲ ብምቕናስ ውሕስና ምግብን ዘላቒ ልምዓትን ክረጋገፅ ይግባእ-ኮሚሽነር ጆሴፍ ሳኮ

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኣፍሪካ ብኽነት ድሕረ ምህርቲ ብምቕናስ ውሕስና ምግብን ዘላቒ ልምዓትን ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ግብርና፣ልምዓት ገጠር፣ብሉ ኢኮኖምን ዘላቒ ሓለዋ ከባብን ጆሴፍ ሳኮ ገሊፆም።
መበል 4ይ ጉባኤን ኤግዚቢሽንን ድሕረ ምህርቲ መላእ ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ።