ኣሜሪካን ኢራንን ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ድርድር እሱራት ተለዋዊጠን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣሜሪካን ኢራንን ድሕሪ ናይ ነዊሕ እዋን ድርድር እሱራት ተለዋዊጠን

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/8/ 2016/ ኢዜአ/ኣሜሪካን ኢራንን ልውውጥ እሱራት ከምዝገበራ ተገሊፁ።
ክልቲአን ሃገራት ሓሙሽተ እሱራት ዝተለዋወጣ እንትኾና÷ ኣሜሪካ ዝተኸልከለ 6 ቢሊየን ዶላር ኢራን ምልቃቓ እውን ተሓቢሩ።
እቲ ልውውጥ እሱራት ኣብ ሞንጎ ዋሺንግተንን ቴህራን ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ድርድር ውፅኢት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኒውዮርክ ታይምስ ከምዝገለፁ፥ ሓሙሽቲኦም ኣሜሪካውያን ካብ ቴህራን ትማሊ ተላዒሎም ካብ ቐጠር ናብ ዋሺንግተን ኣምሪሖም።
ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቑ ኣሜሪካውያን ኣብ ቴህራን ብገበን ስለላ ተኸሲሶም 10 ዓመት እስራት ዝተበየነሎም ከምዝኾኑ ኣር ቲ ፀብፂቡ።
ጋዜጣ ኑር ኒውስ ኢራን ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሓሙሽተ ኢራናውያን ብተመሳሳሊ ግዘ ከምዝተለቐቑ ምርግጋፁ ሓበቢሩ።
ኣብ ኢራን ንዓመታት ዝተኣስሩን ከም መትሓጃ ኮይኖም ተታሒዞም ከም ዝነበሩ ዝንገረሎምን ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ናብ ሃገሮም ይኸዱ ኣለው።
እዚ ኣካታዒ ምፍታሕ እዞም እሱራት ብመንጐኛነት ቐጠር ክካየድ እንተሎ፡ ነዞም እሱራት ንምፍታሕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ተታሒዙ ዝነበረ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ኢራን ናብ ዶውሓ - ርእሰ መዲና ቐጠር - ናብ ዝርከቡ ባንክታት ክመሓላለፍ ተገይሩ።
እቶም ኣብ ቴህራን ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን፡ ዜጋታት ኢራን እውን ኰይኖም፡ ብቻርተር በረራ ናብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ንኽኸዱ ተገይሩ።
ኣብኡ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ተራኺቦም፡ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሖም ኣለው።
እቶም ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኤቪን ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ዘሕለፈ ወዲ 51 ዓመት ነጋዳይ ስያማክ ናማዚ፡ ከምኡ’ውን ወዲ 59 ዓመት ነጋዳይ ኢማድ ሻርጊን ወዲ 67 ዓመት ተጣባቒ ከባቢ ሞራድ ታህባዝን (ዜግነት ብሪጣንያ’ውን ኣለዎ) ይርከብዎም።