መበል 78 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ከምኡ እውን አብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 78 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ከምኡ እውን አብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ዘብል ትፅቢት ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/7/ 2016 /ኢዜአ/ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘካይዶ መበል 78 ጉባኤ ውሕመ ኣብ ጉዳይ ሩሲያን ዩክሬንን ከምኡ እውን ኣብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ብስፍሓት ክዝቲ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
መበል 78 ሓፈሻዊ ጉባኤ መራሕቲ ውሕመ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ዝካየድ።
ኣብቲ ጉባኤ ዝለዓሉ ሓሳባት ሃገራት ኣብ ዝቕፅል ሓዱሽ ዓመት ፈረንጂ ቅድሚት ትኹረት ሂበን ኣብ ዝሰርሐኦም ስራሕቲ ትልመን ንኸስተኻኽላ ሓበሬታ ክረክባ እየን ።
ምናልባት ሃገራት ኣብ ኣፀገምቲ ጉዳያት ንኽተሓባበራ ወይ ድማ ቅዋም ሒዘን ቦተአን ንኽፈልያን ኣብ ሓደ ዘራኽበን ደማ ክተሓባበራ ዝዕድም መድረኽ ከምዝኸውን ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡
ጎድና ጎኒ እቲ ኣኼባ ሃገራት ክልታኣዊ ልዝባት ክህልወን ኢዩ፡፡
ሓፈሻዊ መድረኽ ክትዕ እዚ ዓመት “ ምህዳስ ዓለም ለኻዊ ምትእምማንን ምትሕብባርን ፤ ናብ ዓለም ለኻዊ ሰላም፣ ምዕባለን ዕቤትን ኣብ ዘብፅሕ ዛዕባ 2030 ብምዝታይ ኣብ ተግባራዊነት ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ሓበራዊ ጭብጢ ምሓዝ” ብዝብል መሪሕ-ሓሳብ ዝተዋደደ እዩ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲን ተወከልቲን ሃገራት መደረ ከስምዑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
እዚ በብዓመቱ ዝካየድ አኬባ መራሕቲ ዓለም ብፍላይ አብ ናይ ሎሚ ዘመን አኬባ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ንሓበራዊ ረብሓን ርክብን ክእምቱን ክሰርሑን አለዎም ዝበሉ ዋና ፀሓፊ ውሕሃ አንቶኒ ጉቴሬዝ ምራሕቲ እብ እዚ ሓዚ እዋን ዓለም ንዘድልያ ጉዳይ ክፍፅሙ ሕድሪ ኢሎም