ማሕበረሰብ ዓለም ሊቢያ ኣብ ምሕጋዝ ንክረባረብ ውሕመ ፃውዒት ኣቕሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበረሰብ ዓለም ሊቢያ ኣብ ምሕጋዝ ንክረባረብ ውሕመ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/4/ 2016 /ኢዜአ/ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ጉድኣት ንዘጋጠሞም 250 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ምሕጋዝ ንክረባረብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኦቻ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ንምሃብ 71 ነጥብ 4 ሚሊየን ዶላር ካብ ሓገዝቲ ኣካላት የድሊ ኢሉ።
እቲ ገንዘብ እንተዘይተረኺቡ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ሊቢያ ሚሼል ሴርቫዲ፥ ን10 ሺሕ ሰባት ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና፣ ን1 ሺሕን 100 ሰባት ዝኸውን መሐለዊ ነፅህናን ክዳውቲን ምልኣኹ ገሊፀን።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብግድኡ ልዕሊ 5 ሺሕ ነዝኾኑ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ስድራ ዝኸወነ መግቢ ከቕርብ ኢየ ምባሉ ኣፍሪካ ኒውስ ሩም ፀብፂቡ።
በቲ ኣብ ሊብያ ጋጢሙ ዘሎ ዕልቕልቕ ኣስታት ልዕሊ11 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ቀይሕ ወርሒ ዝተባህለ ገባር ሰናይ ማሕበር ኣፍሊጡ።
ካልኦት 20 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ'ውን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ከንቲባ ናይታ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ኣዝያ ዝተሃስየት ከተማ ደርና ዓብደልመናም ኣልጋሓይቲ ተዛሪቡ።
ብሰንኪ'ቲ ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዘዕለቕለቐ ህቦብላ ዳኒዴል ዝፈረሰ ክልተ ዲጋታት ንከተማ ደርና ብምዕልቕላቑ ሰፊሕ ዕንወት ኣውሪዱ ይርከብ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝወጹ ካብ ኣባይቶም ተፈናቒሎም ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ደገፍ ኮይኖም ኣለዉ።
ትካላት ምድሓን ህይወት፡ ሬሳታት ናይቶም ብውሕጅ ናብ ባሕሪ ተጸሪጐም ዝተወስዱ ግዳያት ንምውጻእ ኣብ ህጹጽ ስራሕ ተጸሚዶም ይርከቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ህጹጽ ጻዕሪ ንምድጋፍ፡ ካብ ናይ ህጹጽ እዋን ባጀቱ 2 ሚልዮን ዶላር ከም ዘወፍይ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "28 ሜትሪክ ቶን ዝኸውን ቀረብ” ከም ዝወሃብ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቶም ኣስታት 250 ሽሕ ተፈናቐልቲ ንምርዳእ ናይ 71.4 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምእካብ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ኣሎ።
ንኣስታት 1000 ሰባት ዝኸውን ቴንዳ፡ ግዝያዊ ዓራትን ኮቦርታን ዝርከቦ ህጹጽ ደገፍ ካብ ጀርመን ናብ ሊብያ ክለኣኽ ምድላዋትየይገብሩ ምህላዎም ትካል ረዲኤት ጀርመን ኣፍሊጡ።