"ቻይና ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ክተጠናኽር ትደሊ 'ያ"- ኣምባሳደር ሁ ቻንግቹን ሚሲዮን ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ

 

አዲስ አበባ/መስክረም/3/2016/ኢዜአ/ቻይና ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ክተጠናኽር ከምትደሊ ሚሲዮን ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ቻንግቹን ተዛሪቦም።

መበል 60 ዓመት በዓል ምስረታ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን መዓልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ብመዳለውነት ሚሲዮን ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ተኸቢሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚሲዮን ቻይና ኣብ

ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ቻንግቹን ከምዝገለፅዎ፤ ቻይና ብኢኮኖሚ፣ ብፖለቲካን ማሕበራውን ዘፈራት ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ክተጠናኽር ድልየት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ቻይና ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ዘፈር ብዙሕ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ንሓባራዊ ተጠቃምነት መሰረት ዝገበረ ስራሕ ክትሰርሕ ምፅንሓ እቶም አምባሳደር ፀሪሖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም