ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኒፓህ ብምክሳቱ ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋን ማሕበራዊ መንቅስቓስ ንክግደብን ተገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኒፓህ ብምክሳቱ ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋን ማሕበራዊ መንቅስቓስ ንክግደብን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ / መስከረም/3/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ህንዲ ኒፓህ ብዝተብሃለ ቫይረስ ኣብ ግዝኣት ኬራላ ክልተ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋን ማሕበራዊ መንቅስቓስ ንክግደብን ተገይሩ።
እቲ ቫይረስ ዝኾነ ይኹን ክታበት ከምዘይብሉ ተሓቢሩ።
ኣብ ክፍሊ ኣካላት ልዑል ሙቐት፣ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ድማ ኢንፌክሽን ብምፍጣር ሕብጠት ሓንጎል ብምስዓብ ንሞት ከምዘሳጥሕ ተሓቢሩ።
ስለዝኾነ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዓሊሙ እቲ ውሳነ ኣብታ ገዝኣት ከምዝተሓላለፈ ቲኣርቲ ፀብፂቡ።
ቫይረስ ኒፓህ ካብ 40 ክሳብ 75 ሚኢታዊት ሞት ከምዘስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
ካብ መንካዕን ሓሳማን ብምብጋስ ናብ ሰባት ከምዝመሓላለፍ ብምግላፅ፥ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እወን ዝመሓላለፍ ኢዩ ተባሂሉ።