ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/3/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ።
ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብምክትል ዋና ዳይሬክተር ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ኮሚሽነር ዣሃውይ ዦው ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም።
ኣብ 10 ሓምለ 2023 ብሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይናን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ዝገበርዎም ስምምዕነት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።
ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ኣብቲ ዘተ ገሊፁ።
ብተወሳኺ እቲ ልኡኽ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራልን ማእከል ምርመራ ፎረንሲክን ዑደት ከምዝገበረ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።