ክልላትሓዚ እውን ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ክልላትሓዚ እውን ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ/መስከረም/3/2016/ኢዜአ/ ግድብ ሩባ ኣባይ ናብ ፍፃመ ክሳብ ዝበፅሕ ዝተፈላለያ ክልላት ሓገዘን ኣጠናኺረን ከምዝቅፅላ ኣፍሊጠን።

 መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ኣሐጎሰኩም መልእኽቲ ኣሕሊፈን።

ክልላት ዓፋር፣ ሶማሊ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ሃረሪን ኦሮሚያን ከምኡውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን መበል ራብዓይ ዙርን ምምላእ ማይ ግድብ ኣባይ ብምዝዛሙ ናይ እንኳዕ ደስበለኩም መልእኽቲ ኣሕሊፎም።

ናይ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ናይ ምዝዛም ብስራት ሓዱሽ ዓመት ብታሕጓስ ንምጅማር ዝሕግዝን ዝተተሓዙ ትልምታት ብቆራፅነት ንምፍፃም ዘለዓዕል ኢሎም።

ግድብ ኣባይ መርኣያ ኣይሰዓርን በሃላይነት፣ ዐሰር ሓባር ታሪኽን ዓቢዪ ሓወልቲን እዚ ትውልዲ ብምዃኑ፤ ክሳብ ዝዛዘም ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ከምዝቅፅሉ ኣፍሊጦም።

ኣባይ ካብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ወፂኡ ንዘመናት ረብሓ ባዕዳውያን ኮይኑ ብምፅንሑ ዋላ እናጠዓሰና እንተፀንሐውን ኣብ መወዳእታ ፍረ ኣባይ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ሓቂ ንምግባር ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ቆሪፅና ተላዒልና ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና ክብሉ መልእኽታቶም አማሓላሊፎም

እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲውን ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ንፕሮጀክት ግድብ ሩባ ኣባይ ዓቢ ትኹረት ተዋሂቡ

 ካብ ላዕላዋይ ክሳብ ታሕታዋይ ብርኪ ናይ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ለውጢ ብምግባር፤ ነቲ ሕዝቢ ብምንቅቃሕን ብምትሕብባርን ልዑል ስራሕ ተሰሪሑ ።

 እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንከይዛዘም ዕንቅፋት ዝኾኑ ብልሽዋት ኣሰራርሓ ብምቅናዕ፤ እቲ ግድብ ጋህዲ ንከይኸውን ዝደልዩ ፅዕንቶ ወፃኢ ፀላእትና ብምፅዋር፤ ሕቡእ ውዲታት ኣምኪኑ።

 እቲ ግድብ ንረብሓ ህዝብታትና ንክውዕል ህልኽ ዘውድእ ቃልሲ ተገይሩ ሐዚ ንዝመፅአ መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ ምብፃሑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ንግድብ ኣባይ ዝገበርናዮ ሕብረት፤ ሓድነትን ጥንካረን ንወፃኢ ፀላእትና መርኣያ ኣይምብርከኽን ብምባል ዘርኣናዮ ናይ ዓላማ ፅንዓት፤ ግድብ ኣባይ ንምግሃድ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀፃሊ ዕላማ ሰኒቅና ንዝተለዓልናሉ ብልፅግና መርኣያ ብሩህ ጉዕዞዩ። ስለዝኾነ ዕላማ ብልፅግናን ትንሳኤ ኢትዮጵያን ርሑቅ ከምዘይኸውን ምርግጋፅ ዝክኣል ኢሎም።

ተተሓባቢርናን ብሓድነት ደው እንተልና ታሪኽ ካብ ምስራሕ ሓሊፍና ብዓለም ፖለቲካ ኾነ ብኢኮኖሚ ልዑል ተፅዕኖ ምዕራፍ ከምእንኽእል ግልፂ ገይሩ ዘርአየና መንገዲ ብልፅግና ኾኾብናዩ።

ብፅንዓትን ሓድነትን ህዝባን ብመንግስታዊ ለውጢ ዝኾነ ይኹን ናብ ድሕሪት ከምዘይጎትታ ብተግባር ምርኣያ ቀፂላ ኣላ።

ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ክንሰርሖም ዝተለምናዮም ብዙሓት ስራሕቲ ብምፍፃም ናብ ብልፅግና እንገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ልዑል ናይ ሞራል ስንቂ ብምዃን ብርተዐ ዝውስኽ ፅቡቅ ኣጋጣሚዩ።

እቲ ግድብ ብልዑል ዲፕሎማሲያዊ ጥበብ፤ ብበሳል ኣመራርሓን ብናይ ህዝብና ምትሕብባርን ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ኽኢሉዩ።

ዝተረፈ ስራሕቲ እቲ ግድብ ክልላት ነናይ ባዕልና ሓገዝ ብምግባር ናብ ፍፃመ ከምነብፀሖ እምነትና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም