ኣፕል ኣይፎን 15 ዝተብሃለ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዕላዊ ገይሩ-ሓድሽ ምህዞ ዓለምና - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፕል ኣይፎን 15 ዝተብሃለ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዕላዊ ገይሩ-ሓድሽ ምህዞ ዓለምና
ኣፕል ኣይፎን 15 ዝተብሃለ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዕላዊ ገይሩ-ሓድሽ ምህዞ ዓለምና
ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/2/ 2015 /ኢዜአ/ኩባኒያ ኣፕል ‘ኣይፎን 15’ ዝተብሃለ ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ንተጠቀምቲ ዕላዊ ገይሩ፡፡
እቲ ኩባንያ÷ ነቲ ፍርያት ሓዱሽ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ኣይፎን 15ን ኣይፎን 15 ፕላስን ሓዊሱ ኤይርፖዳት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ትካል ኩፔርቲኖ ንዓማዊሉ ንምርኢት ኣቕሪቡ፡፡
እቶም ሓደሽቲ ፍርያታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 22 መስከረም ጀሚሮም ኣብ ዕዳጋ ክውዕሉ ኢዮም ተባሂሉ፡፡
ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ዓማዊል ኣብ ዝርዝር ዕዳገኦም ከምዘካተቱዎም እውን ተገሊፁ፡፡
ኩሎም ሓደሽቲ ሞዴላት 48-ሜጋ ፒክስል “ዋና ካሜራ” ዘለዎም እንትኾኑ ፕሮ ማክስ ካሜራ ናይ ምጉላህ ዓቕሙ ክሳብ 5 ዕፅፊ ከምዝኾነን ኣብ ርሑቕ ዘሎ ምስሊ ናይ ምቕራብ ዓቕሙ ድማ 3 ዕፅፊ ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡