መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን፡ ኪም ንፑቲን፡ 'ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ሃጸይነት ብሓባር ንጽናዕ' ኢሎም

 

አዲስ አበባ/መስከረም/2/2016/ኢዜአ/ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ ኡን፡ ብድርዕቲ ወተሃደራዊት ባቡር ተጓዒዞም ሩስያ ድሕሪ ምእታዎም ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ብኣካል ተራኪቦም ከምዝተዘራረቡ ይቃላሕ ኣሎ።

እቶም መራሒ ምስ ፑቲን ቅድሚ ምርኻቦም፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ሩስያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብቅድሚት ዝስራዕ ቀዳምነታ እዩ" ክብል ምግላፆም ተለቪዥን ሩስያ ዘርጊሓ።

ንሶም፡ "ንዝምድና ሰሜን ኮርያን ሩስያን ቀዳምነት ሂብና ካብ ሕዚ ንደሓር፡ ኣብ ቅድሚት እንሰርዖ ናይ ወጻኢ ፖሊሲና እዩ፡ኢሎም።

ኣብቲ ልዑል ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዘሎ ሎሚ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ቮስቶክኒ ኮስሞድሮም ኣብ ዝጀመረ ርክቦም፡ ፑቲንክቡር ኣቦ መንበር፡ በቲ ዝተሰማማዕናዮ መሰረት፡ ኣብዚ ግዜ ኣብዚ ቦታ ክርእየካን ክቕበለካን ምኽኣለይ ኣዝየ ሕጉስየ፡ብምባል እንቋዕ ደሓን መጻእካ ኢሎም።

ኪም ብወገኖም፡ "ነቲ ኣብ ሩስያ እንገብሮ ዑደት ከምዚ ዓይነት ኣቓልቦ ምሃብካ ኣዝየ እየ ዘመስግን፡ብምባል፡ "ኣብቲ ኣንጻር ሃጸይነት እነካይዶ ቃልሲ፡ ብሓባር ከም እንጸንዕ ርግጸኛ እየ" ክብሉ ወሲኹም ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ቀጥታዊ ርክብ፡ ኪም ንፑቲን፡ ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከምዝድግፍ ክነግሮም ተሰሚዑ።

ንሶም አብ መደረኦመ ኣ፡ "ሩስያ፡ ልኡላውነታን ጸጥታን ኣንጻር ገበትቲ ሓይልታት ንምክልኻል፡ ቅዱስ ቃልሲ እያ ተካይድ ዘላ፡ኢሎም።

"ሰሜን ኮርያ ንዅሉ ውሳነታት ፑቲን ትድግፍ" ክብል እውን ወሲኹም ገሊፆም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ መደበር ጠፈር ሩስያ ከምዝበጽሑን፡ ፑቲን ንኪም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ መሳለጥያታት ሓደ-ብሓደ ከርእዮን ክገልጸሉን ተራእዩ።

ሩስያ፡ ኣብ ፈተነ ሳተላይታት ዘይተዓወተት ሰሜን ኮርያ፡ ሳተላይት ንምህናጽ ክትሕግዛ ድያ ንዝብል ሕቶ፡ ፑቲን፡ "እዚ ስለዝዀነ ኢና ናብ ቮስቶክኒ ኮስሞድሮም መጺእና ዘለና" ክብሉ  ምላሽ ሂቦም።

ሰሜን ኮርያ ኣብዚ ዓመት ክልተ ፍሹል ፈተነታት ምውንጫፍ ሳተላይት ምክያዳ ይዝከር።

እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ክልተ ግዜ ዘካየደቶ ፈተነታት ሳተላይት ስለያ ናብ ጠፈር ንምእታው ፍሽለት እንተጋጠማ፡ መደብ ሳተላይታ ንምምዕባል ኣበርቲዓ ክትሰርሕ እያ ጸኒሓ።

ኣብ ግንቦት ዝተገብረ ፈላሚ ፈተነ፡ እታ ሳተላይት ድሕሪ ምብጋሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ባሕሪ ክትወድቕ ተራእያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ካልኣይ ፈተነ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ በረራኣ ፈሺላ።

በዚ ኸኣ፡ ሰሜን ኮርያ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ፈተነ ሳተላይት ከተካይድ ውጥን ዘለዋ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ ንመደባታ ካብ ሩስያ ሓገዝ ትደሊ።

ኪም ዮንግ ኡን መብርሂ እናተዋህቦ

ሩስያ ከም ኣምሳያ፡ ናይዚ ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኲናት፡ ካብ ሰሜን ኮርያ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ትደሊ።

ኣብ ስምምዕ ኣጽዋር ክትዛተዩ ዲኹም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ፑቲን፡ኵሎም ጉዳያት" ኣብ መኣዲ ዘተ ኣለዉ ክብሉ ምላሽ ሂቦም

ሩስያ ኣብዚ እዋን ብመሰረቱ ብዝሒ ተተኮስቲ የድልያ ከምዘሎ ተንተንቲን ይገልጹ።

ነዚ እትምልስ ድማ ሰሜን ኮርያ ምዃና ይግመት።

እታ ሃገር ንሩስያ፡ ጥያይት፡ መዳፍዓት፡ ሚሳይላትን ከይተረፈ ክትህባ ምዃና ተመራማሪ ሰሜን ኮርያ ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ-ዩፕ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እታ ሃገር ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ከበድቲ ኣጽዋራትን ሮኬታትን ከምዘለዋ ግምታት ይሕብሩ።

ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ኣብ 1953 ዘብቅዐ ኲናት ኮርያ ዝዀነ ኲናት ኣካይዳ ስለዘይትፈልጥ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕቑር ኣጽዋራት ከምዘለዋ ዘጠራጥር ኣይኰነን ብምባል ብዙሓት ይኣምኑ።

ፕሮፌሰር ኪም፡ ነዞም ናይ ቀደም ኣጽዋር ንሩስያ ምሃብ ንዓቕሚ ምክልኻል ሰሜን ኮርያ ብዝዀነ መገዲ ከምዘይጸልዎ ይገልፁ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ዘመናዊ ኣጽዋር ዓጢቝ እዩ ተራእዩ።

ብዘይካዚ፡ ኣጽዋር ኮርያ፡ ብዓቢኡ ኣብ ስርዓታት ኣጽዋር ሶቭየት ዝተመርኮሰ ስለዝዀነ፡ እዚ ድማ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ፡ ብዓቢኡ ምስ መሳርያታት ሩስያ ዝሰማማዕ ይገብሮ።

እዚ ሎሚ ዝጀመረ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ዘሳተፈ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ክካየድ ዝኽእል ዓይነት ዝርርብ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ።

ፑቲን ካብ ሞስኮ ርሑቕም ተጓዒዞም፡ ንሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾይጉን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌይ ላቭሮቭን ክሕዝ እንተሎ፤ ኪም ብወገኖም፡ ብኣዛዚ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ዳይረክተር ክፍሊ ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ከምኡውን፣ እታ ካልኣይቲ ወሳኒት ሰብ ኣብታ ሃገር ዝዀነት ሓፍቱን ካልኦትን ተሰንዩ እዩ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ።

ቅድሚ ሕዚ ብማዕከናት ዜና ሩስያ ዝተሳእሉ ስእልታት ከምዘመልክትዎ፡ ሓያል ምዃና ዝንገረላ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮንግ፡ ሓዋ ምስ ፑቲን ኣብ ዝገበሮ ቀዳማይ ርክብ እውን ኣሰንያቶ ነይራ።

ንሳ ኣብዚ ዓመት፡ ኣንጻር ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን በቲ ኣብ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ዘካይዳኦ ወተሃደራዊ ልምምድን ኣመልኪታ ተረርቲ መጠንቀቕታታት ብምግላጽ ኣርእስታት ዜና ኰይና ጸኒሓ እያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም