ኣብ ሊቢያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሊቢያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ መስከረም/2/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሊብያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓያልን ኣዕናውን ህቦብላዊ ውሕጅ ኣሽሓት ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
ጃለል ሃርቻዊ ዝተባህለ ሊብያዊ ሞያዊ ቍፅሪ ዝሞቱ ሰባት ክብርኽ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ኣብ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን ሸውዓተ ኣባላት ሰራዊት ሊብያ ደሃዮም ጠፊኡ’ሎ።
ከተማታት ምብራቓዊ ሊብያ - ቤንጋዚ፣ ሱሴ፣ ደርናን ኣልማርጅን ተሃስየን ኣብ ዘለዋሉ እዋን፥ ኣብ ሰብ መዚ ምብራቕ ሊብያ ኣዋጅ ሰዓት ሕላፍ ብምእዋጅ ኣብያተ ትምህርትን ድኳናትን ክዕጸዋ ኣዚዞም ኣለዉ።
ቍፅሪ ሞት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፥ ቀይሕ መስቀል ሊብያ ብርክት ዝበሉ መንበሪ አባይቲ ከም ዝዓነዉ ሓቢሩ።
ነዚ ሓደጋ ሲዒቡሃገራት ኣብ ሊቢያ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ይልእኻ ኣለዋ
ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ሊቢያ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ምልኣኽ ጀሚረን።
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ሊቢያ ከተማ ደርና ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ÷ ክሳብ ሕዚ 5 ሺሕን 300 ሰባት ንሕልፈት ከምዝተቓልዑ ተሓቢሩ፡፡
በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ኣብ ጅምላ መቓብር እናተቐበሩ እንትኾኑ÷ ቁፅሪ መወትቲ ካብዚ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት በቲ መስካሕኽሒ ሓደጋ ውሕጅ ዝጠፍኡ ዜጋታት ኣብ ዝፈራረሱ ኣባይቲ እናተኣላለሹ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ሓደጋ ስዒቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጎኒ ሊቢያ ከምዝኾና ብምግላፅ÷ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እናለኣኻ ይርከባ፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ÷ ኣብ ሊቢያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ዜጋታት ስድራቤትን ዘመድ ኣዝማድን ምፅንዕናዕተመኒዮም፡፡
ኣሜሪካ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሊቢያ ጠጠው ከምትብል ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት÷ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተልኣኸ ኣረጋጊፆም፡፡
ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ትካላ ሰብኣዊ ሓገዝ ንተጎዳእቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም፡፡
ብተመሳሳሊ ጀርመን፣ ቱርክ፣ ኢራን፣ ጣልያን፣ ኳታርን ግብፂን ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ሊቢያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝለኣኻ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡