መዓልቲ ሕብረት ̎ብሕብሪ ዝተሰርሐት ሃገር̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዘተ ፓነል እናተኸበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ሕብረት ̎ብሕብሪ ዝተሰርሐት ሃገር̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዘተ ፓነል እናተኸበረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ቋቑሜን/ 6/2015 (ኢዜኣ) መዓልቲ ሕብረት 6 ቋቑሜን ̎ብሕብሪ ዝተሰርሐት ሃገር̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዘተ ፓነል እናተኸበረ ይርከብ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ሓዊሱ ኣባገዳታትን ካልኦት ተሳተፍትን ተረኺቦም።
ብመዓርግ ምክትል ፕሬዚዳንት መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣብዱልሃኪም ሙሉ ኣብቲ እዋን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝበለፀ ክጠናኸር ኣለዎ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ሓጎስን ሓዘንን ብሓባርን ብምትሕብባርን ከምዘሕለፍና ብምግላፅ እዚ ንዘመናት ዝፀንሐ ምትሕስሳብ ክነጠናኽሮ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ካብ ኣብ ዝፈላልዩና ሓደ ኣብ ዝገብሩና ትኹረት ብምግባር ዝበልፀገት ሃገር ንህነፅ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።