“እቲ ዝረብሕ ብምጥንኻር ሓዱሽ ዓመት ክንቅበሎ ኣለና”-ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ - ኢዜአ ትግርኛ
“እቲ ዝረብሕ ብምጥንኻር ሓዱሽ ዓመት ክንቅበሎ ኣለና”-ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ
ኣዲሰ አበባ/ቋቑሜን/ 6/2015/ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ምኽኒያት ብምግባር ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም፥ ዘበን ብዘበን እናተከአ ፍጥረታቱ ዝምግብን ዝመርሐን ኢግዚኣብሄር ኣምላኽና እንኳዕ ካብ ዘበነ ሉቃስ ናብ ዘበነ የውሃንስ ብሰላም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም ኢሎም።
ዘበናት፥ ሰብ ብሰላም ሰሪሑ ህይወቱ ብኣግባቡ ከምረሐሎም፣ ፈጣሪኡ ከምልኸሉ፣ ክመሃረሎምን ፍልጠት ክዕግደሎመን፣ እንትጋገ አውን ንስሃ ብምእታው ክእረመሎም ዝተውሃብዎ ፀጋታት ስለዝኾኑ ዓመታት በዚ ኣገባብ ምጥቃም ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።
ዝሓለፈ ጎዳኢ ነገር ብምግዳፍ ዝረብሕ ብምጥንኻር እቲ ሓዱሽ ዓመት ክንቅበሎ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ካብ ቂምን ቅርሕንትን ብምርሓቕ ስራሕና ብፍቕሪን ስምምዕነትን፣ ትዕግስቲን ልዝብን ነክንሰርሕ ልዑል ፈጣሪ ፍቓዱ ይኹን ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ብምፍልላይ፣ ምቅርሓን፣ ምንዕዓቕ፣ ናይ ባዕልኻ ረብሓ ጥራሕ ነምሕላው ፃዕሪ ምግባር ረብሓ ህዝቢ ምኽባርን ሓድነት ሃገር ምሕላወን ስለዘይከኣል፥ እቶም ኣተሓሳስባታት ምስቲ ኣረጊት ዓመት ክውገዱ ከምዝግባእ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።