ሃገራት እስያ ርክበን ኣጠናኺረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ለውጢታት ብቐሊሉ ተፃዊረን ክሰግራ ይኽእላ ኢየን - ሊ ችያንግ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ቋቑሜ/1/ 2015 /ኢዜአ/ሃገራት እስያ ርክበን ኣጠናኺረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ወለውጢታት ብቐሊሉ ክፃወራ ከምዝኽእላ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ችያንግ ገሊፆም።

መበል 26 ጉባኤ መራሕቲ ቻይና -እስያ ኣብ ኢንዶኒዢያ ጃካርታ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ቻይና ችያንግ÷ ምትሕብባር ቻይናን ካልኦት ሃገራት እስያን ብብዙሓት ኣፀገምቲ እዋናት ሸብረክ ከይበላ ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

ቻይና ሓዊሱ ሃገራት እስያ ኣህጉራዊ ሰላምን ልምዓትን ንምዕሳል ከምዝሰርሓ ዝገለፁ ችያንግ÷ እተን ሃገራት ዘለወን ርክብ ኣጠናኸረን እንተቐፂለን ኣብ ዓለም ዝፍጠሩ ሓደሽቲ ለውጢታት ብቐሊሉ ተፃዊረን ክሰግራ ከምዝኽእላ ኣመልኪቶም፡፡

ቻይናን ሃገራት እስያን ጥንኩር ናይ ምልማዕ ድሌት ከምዘለወን ብምግላፅ፤ እተን ሃገራት ኣብ ዞባ እስያ ሰላምን ልምዓትን ንምዕሳል ክሰርሓ ኢየን ምባሎም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም