ኣፍሪካ ህዝባ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብርን እቶት ኣብ ዘርከቦን ዝሕደስ ሓይሊ ክትሰርሕ ይግባእ - ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም። - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ህዝባ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብርን እቶት ኣብ ዘርከቦን ዝሕደስ ሓይሊ ክትሰርሕ ይግባእ - ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም።

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/30/ 2015 /ኢዜአ/ኣፍሪካ ህዝባ ተጠቃሚ ኣብ ዝገብርን እቶት ኣብ ዘርከቦን ዝሕደስ ሓይሊ ክትሰርሕ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኬኒያ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ከምዝተዛረቡዎ ኣፍሪካ ድርድር ንብረት ኣየር ኣፍሪካ ንምቕያር ዘለዋ ዕድል ክትጥቀም ኣለዋ።
ኣብ ንብረት ዝድሀበ ልዝብ ብብርኪ ዓለም ለኸ ምክያድ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሳላሳ ዓመት ተቆፂሩ ይኹን እምበር ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ዛዕባ ንምዝታይ ኣህጉራዊ ኣኼባ እንትገብራ እዚ ጉባኤ ፈላማይ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣካል ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ አየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝኾኑ ከም ጉጅለ ተደራደርቲ ኣፍሪካን ኣባል ጉጅለ 77 ዝኾኑ ዞባዊ ጉጅለታት ኣቢላ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ አየር ኣፍሪካ ስግኣታ ምግላፃ አዘካኪሮም።
ብሓፈሻ ካብ ዝልቀቕ በካሊ ጋዝ በዚሑ እንተተባሂሉ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ጥራሕ ካብ ኣፍሪካ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት ልዑል መጠን ዘለዎ በካሊ ጋዝ ብዝለቃ ሃገራት ኣቢሉ ተጠቃዕቲ ንዝኾና ሃገራት ካሕሳ ንመሃብ ዝኣተወኦ ቃል ፍትሓዊ ብዘይኮነ ኣግባብ ንደሓሪት እናተብሃላ ከምዝኾና ገሊፆም፡፡
ኣፍሪካ ምስ ንብረት ኣየር ተተሓሒዙ ዝህልዋ መስተጋብር ግዘ እንተይተውሃቦ ምቕያርን ምምሐያሽን ከምዝግበኦም ሩቶ ተዛሪቦም፡፡
“ንንብረት ኣየር ዘድሊ እኹል ገንዘባዊ ዓቕሚ ከምዘይብልና ብግልፂ ንርዳእ ኢና” ዝበሉ ፕሬዚዳንት ሩቶ÷ ይኹን እመበር ኣዎንታዊ ለውጢ ከምፅኡ ካብ ዝኽእሉ ሓቂታት ፍሒት ኣይንብልን ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ለውጢ ከባብያዊ አየር ረቂቕ ፅንሰ-ሓሳብ ዘይኮነስ ብሳይንስ ዝተረጋገፀን ብተግባር እውን ዝተርኣየ ብምዃኑ ኣብቲ ጉባኤ ፀገማት ንምዝርዛር ዘይኮነስ ኣብ መፍትሒ ሓሳብ ምዝታይ ከምዘድሊ ምግላፆም ዘ ኢስት ኣፍሪካን ፀብፂቡ፡፡
ኣፍሪካ ካብ እታ ኣህጉር ወፃእ ዘለዎ ካልኦት ህዝቢታት ተጠቀምቲ ዝገብርን ናይ ልምዓት እቶት ክእክብ ኣብ ዝኽእልን ዝሕደስ ሓይሊ ክትጥቀም ከምዘለዋ እውን ኣገንዚቦም፡፡