ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ተሳትፎን ምትሕብባርን ወለንታውያን መናእሰይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-ኣይተ ታዬ ደንደኣ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ተሳትፎን ምትሕብባርን ወለንታውያን መናእሰይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-ኣይተ ታዬ ደንደኣ
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 18/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎን ምትሕብባርን ወለንታውያን መናእሰይ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ ገሊፆም።
ኮሚሽን ተሳትፎ ሕብረተሰብን መተሓባበሪ ሰናይ ፍቓድን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወከልቲ እቲ ማሕበረሰብን ሰናይ ፍቓድን ̎ሰናይ ተግባር ንሰላም̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፓነል ዘተ ኣካይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደ፤ ኣብ ኩሎም ከባብታት ዘለው ጠቐምቲ ፀጋታት ብምዕባይ ሰናይ ተግባራት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።
ኣብ ከይዲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ተሳትፎን ምትሕብባርን ወለንታውያን መናእሰይ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።