ኢትዮጵያ ትካፈለሎም 2 ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ምሸት ካከየዱ ኢዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ትካፈለሎም 2 ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ምሸት ካከየዱ ኢዮም

ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ሎሚ ምሸት ካብ ሞን ዝካየዱ ኢትዮጵያ ትካፈለሎም ውድድራት ኢዮም፡፡
ምሸት ሰዓት 4፡31 ኣብ ዝካየድ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ትፅቢት ይግበረለን፡፡
ከምኡ እውን ምሸት 4፡42 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ÷ ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ጌትነት ዋለን ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እየተካኻየደ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ፡፡