ኢትዮጵያ ትካፈለሎም 2 ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ምሸት ካከየዱ ኢዮም

 

ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ሎሚ ምሸት ካብ ሞን ዝካየዱ ኢትዮጵያ ትካፈለሎም ውድድራት ኢዮም፡፡

ምሸት ሰዓት 431 ኣብ ዝካየድ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ትፅቢት ይግበረለን፡፡

ከምኡ እውን ምሸት 442 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ÷ ኣትሌት ለሜቻ ግርማን ጌትነት ዋለን ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እየተካኻየደ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም