ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ተዓዊታ - ኢዜአ ትግርኛ
ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ኣብ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ /15/ 2015 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያን ብምውካል ኣብ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ካፕ ንምስታፍ ቀዳማይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ዝገበረት ጋንታ ባህር ዳር ከተማ ዓወት ቀኒዑዋ።
ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ታንዛኒያዊት ጋንታ ኣዛም ዝተፃወተት ጋንታ ባህር ዳር ከተማ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት እዩ።
ፍፁም ጥላሁን ባህርዳር ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት እንተመዝግብ ኢድሪስ ሙቦንቦ ድማ ብሕታዊት ሸቶ ኣዛን ኣመዝጊቡዋ።
ናይ መልሲ ፀወታ ክልቲአን ጋንታታት ድማ ዝቕፅል ዓርቢ ኣብ ታንዛኒያ ክካየድ ኢዩ።