ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ / ነሓሰ/15/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋን ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊን ብ10 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ሳልሳይን ራብዓይን ብምውፃእ ዛዚሞም።
ኡጋንዳዊ ኣትሌት ጆሽዋ ቸፕቶጌ ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ። ብተዛማዲ ሲዒቡ ዝመፀ ዜና ከምዘመላከቶ
ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንፍፃመ ምሕላፈን እዩ ፡፡
ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ብርቄ ሓየሎምን ድርቤ ወልተጂን ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ናብ ፍፃሜ ውድድር ሓሊፈን፡፡
ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ነቲ ርሕቐት ብ4 ደቒቕ 02 ሰከንድን 46 ማይክሮ ሰከንድን ካብ ምድባ 2ይቲ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ምሕላፋ እንትተረጋግፅ÷ ብተመሳሳሊ ካብ ምድብ ክልተ ድርቤ ወልተጂም ብ3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 18 ማይክሮ ሰከንድን 2ይቲ ብምውፃእናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡
ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 9ይቲ ብምውፃኣ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን፡፡