ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ  ናብ ፍፃመ ሓሊፎም።

 

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/13/ 2015 /ኢዜአ/ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር መሰናክል ደቂ ተባዕቲዮ  ናብ ፍፃመ ሓሊፎም።

ኣብ ምድብ ሓደ ዝተወዳደረ ኣትሌት ጌትነት ዋለ 8:19.99 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካብቲ ምድብ ቀዳማይ ብምውፃእ ናብ ውድድር ፍፃመ ሓሊፉ።

ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ድማ 8:15.89 ሰዓት ውድድሩ ብምዝዛም ቀዳማይ ኮይኑ ናብ ቀፃሊ ውድድር ፍፃመ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ኣብ ምድብ ክልተ ዝተወዳደረ ኣትሌት ኣብርሃም ስሜ 8:31.49 ሰዓት ብምእታው ሻምናይ ደረጃ ብምሓዙ ናብ ፍፃመ ኣይሓለፈን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም