ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ።

 

ኣዲስ ኣበባ/ ነሓሰ/8/ 2015 /ኢዜአ/ንኢትዮጵያ ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝውክሉ ኣትሌታት ምፍናው ተገይሩ።

 ዝተጓዓዙ ኣባላት ኮንግረስ ኣትሌቲክስ ዓለም ሓዊሱ ብሸውዓተ ዙርያ ተመቂሉ ናብ ሃንጋሪ ከምዘምርሕ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣርባዕተ ኣትሌታት ዝሓዘ ቀዳማይ ጉጅለ ስፖርተኛታት ሰሉስ ናብቲ ቦታ ከቕንዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቀፃሊ ረቡዕ ድማ 10 ሺሕን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ብደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን ብደቂ ተባዕትዮ 3 ሺሕ መሰናክል ውድድር ዝሳተፉ ኣትሌታት ዝሓዘ ጉጅለ ናብ ቡዳፔስት ከምዝጓዓዝ ተገሊፁ፡፡

ቀዳም ኣብ ዝጅመር ውድድር ኢትዮጵያ 19 ደቂ ኣንስትዮን 16 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ 35 ኣትሌታት ክትውከል ኢያ፡፡

መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ 13 ክሳብ 21 ነሓሰ 2015 . ኣብ ሃንጋሪ ከተማ ቡዳፔስት ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ (/) ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉን ተረኺቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም