መዓልታዊ 5 ሽሕ ስጕሚ/ሰዳሮ/ ምንቅስቓስ ዕድመ የናውሕ ዶ? ብዝኮነ ንፈትኖ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልታዊ 5 ሽሕ ስጕሚ/ሰዳሮ/ ምንቅስቓስ ዕድመ የናውሕ ዶ? ብዝኮነ ንፈትኖ

ብቝዕ ኣካልን ምሉእ ጥዕናን ንኽህልወካ ኣብ መዓልቲ 10 ሽሕ ስጕምትታት ምግባር ኣገዳሲ ከምዝዀነ ካብ ነዊሕ እዋን ክዝረብ ጸኒሑ’ሎ።
እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን ትሕቲ 5 ሽሕ ስጕሚ ጉዕዞ እግሪ ምግባር ጥዕናኣዊ ረብሓ ንምርኣይ እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብር።
ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 226 ሽሕ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ 4,000 ስጕሚ ናይ እግሪ ጕዕዞ ምግባር ብኣጋ (ኣብ ዘይእዋኑ) ንዘጋጥም ሓደጋ ኣብ ምንካይ ከም መጀመሪ እኹል እዩ።
ልዕሊ 2300 ስጕሚ ድማ ንጥዕና ልብን ሰራውር ደምን ዝሕግዝ ረብሓ ንምርካብ እኹል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብርግጽ ዝያዳ ጕዕዞ እግሪ ብዝገበርካ መጠን ዝያዳ ጥዕናዊ ረብሓታት ከም እትረክብ እዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።
ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ 4000 ስጒሚ እግሪ ንላዕሊ ኣብ ዝውሰኽ ነፍሲ ወከፍ 1000 ስጕሚ ነቲ ኣብ ዘይእዋኑ ዘጋጥም ሓደጋ ሞት ብ15 ሚእታዊት የጉድሎ።
ኣብ ፖላንድን ካብ ዝርከብ ሜዲካል ዩኒቨርሲቲ ሎድዝን ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ስኩል ኦፍ ሜዲሲንን ዝተወደበ ጕጅለ ተመራመርቲ ዝረኸቦ ውጽኢት ከምዘመልክቶ፡ እቲ ጕዕዞ እግሪ ብምግባር ዝርከብ ረብሓታት ኣበይ ይነብሩ ብዘየገድስ ንኹሉ ጾታን ዕድመን ዝምልከት እዩ።
እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ረብሓ ኣብ ትሕቲ 60 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት እዩ ተራእዩ።
ፕሮፌሰር ማሲየጅ ባናች ካብ ዩኒቨርሲቲ ሎድዝ፡ ቍጽሪ ናይቶም ንሕክምና ዝውዕሉ ምዕቡላት መድሃኒታት እናወሰኸ'ኳ እንተመጸ፡ ንሳቶም ጥራይ ግን መፍትሒ ከምዘይኰኑ ይሕብሩ።
"ንሓደጋ ልብን ስርዓተ ደምን ኣብ ምንካይ ከምኡ’ውን ዕድመ ኣብ ምንዋሕ ውጽኢታዊ ክኸውን ስለዝኽእል ኣብ ኣመጋግባን ምንቅስቓስ ኣካላትን ሓዊሱ ኣብ ኣነባብራና ኩልግዘ ትኹረት ክንገብር ከምዝግባእ እየ ዝኣምን" ይብሉ።
መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ፡ እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ኣብ ዓመት ንሞት 3.2 ሚልዮን ሰባት ከም ምኽንያት ይውሰድ። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ዝረአ ራብዓይ ጠንቂ ሞት እዩ።
ባሪስ ኣብ ዝተብሃለ ዓለማዊ ኩባንያ ብቕዓት ኣካል ውልቃዊ ኣሰልጣኒትን መምህርን ዝኾነት ሃኒ ፋይን፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮፍ ካብ ምባል ኣብ ዝመጽእ ጸገማት ጥዕና ጠመተ ትገብር።
"እዚ ንመተቦሊዝም [ሰብነትና ንመግብን መስተን ናብ ሓይሊ ዝቕይረሉ ስርዓት] ከዝሕሎን ንዕብየትን ጥንካረን ጭዋዳታት ክጸልዎን ይኽእል'ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ቃንዛ ክስዕብ ይኽእል" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባል ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገም ጥዕና ሕቘ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ኣብ ዝውዕሉ ሰባት ብብዝሒ ንረኽቦ ኰይኑ፡ ሕቘኦም ብቐጻሊ ኣብ ውጥረት ዝመልኦ ዝተጨናነቐ ኵነታት ስለዝኣቱ ድሒሩ ኣብ ዘሎ ህይወቶም ዝያዳ ጸገማት የስዕብ" ትብል ወሲኻ።
ኣገዳስነት ናይቶም ዓይነታት ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይኰኑ ግን ድማ ሰብነትና ዝገብሮም "እዚ ብቐሊል ኣዘራርባ ክግለጽ እንተሎ ሓይሊ ዝጥቀምን ካሎሪ ዘቃጽልን ኵሉ እንገብሮ ንጥፈታት እዩ" ትብል።
"ከም ደው ምባል፡ ኣብ ዕዳጋ እንስከሞም ነገራት፡ ምውልዋልን ምጽርራይን ገዛ፡ ብተሌፎን ምስ ሰባት እናተዘራረብካ ምውስዋስ ዝኣመሰሉ ዕማማት ኵሎም ንኣሽቱ ነገራት ኰይኖም ግን ድማ ዝያዳ ንጡፋት ዝገብሩናን ካሎሪታት ብእኹል መጠን ንምቅጻል ዝሕግዙና እዮም" ብምባል ተረድእ።
መዓልታዊ ስሩዕ ጕዕዞ እግሪ ምግባር ዝኸብድ እኳ እንተዀነ ኣብ ጥዕና ዘምጽኦ ውጽኢት ክርአ እንተሎ ግን ዓብይ ምዃኑ ትዛረብ።
"ጕዕዞ እግሪ ምግባር ጸቕጢ ደምካ ክጎድል ይሕግዝ፤ ንጭዋዳታትካ ከደልድል ይኽእል፤ ሓይልኻ ክውስኽ ከምኡ ድማ ጥዑይ ኣመጋግባ ምስ ጥዑይ ክብደት ሰብነት ክህልወካ ይገብር" ትብል እታ ኣሰልጣኒት ኣካላዊ ምውስዋስ።
ጥዕና ኣእምሮና ክብርኽ ምግባር ከምኡ’ውን ካብ ከም ናይ ሞባይል፣ ተለቪዥንን ኮምፒተርን ዝበሉ ስክሪናትን ካልእ ትኹረትካ ዝሰርቑ ነገራትን ምርሓቕ ከም ተወሰኽቲ ረብሓታት ጉዕዞ እግሪ ትጠቅስ።
ኣገደስቲ ምኽርታት ጕዕዞ እግሪ
- ቅርብ ናብ ዝበሉ ቦታታት ብኣውቶቡስ ወይ ብመኪና ካብ ምኻድ ብእግርኻ ምኻድ
- ኮፍ ኢልካ ትሰርሕ እንተዄንካ ኣብ ሞንጎ እናተሳእካ ንክትንቀሳቐስ መዘኻኸሪታት ሰዓት ምላእ
- ነፍሰጾር እንተዄንኪ ብእግሪ ምጕዓዝ እቲ ዝበለጸ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣካላት እዩ
- መዓልታዊ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ
- ምስ ኣዕሩኽትኻ ኣብ መናፈሻ ወይ ጫካ ጕዕዞ እግሪ ምግባር
- ጀማሪ እንተዄንካ ብሓደ ግዜ ብነዊሕ ርሕቀት ካብ ምጅማር ብንእሽቶ ጀምር፤ ን10 ደቓይቕ ብእግሪ ምጕዓዝ ካብኡ ክሳብ 20 ደቓይቕ ኣብ መናፈሻ ምጕዓዝ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ኣብ ከተማ ምንቅስቓስ ይከኣል።