ኣብ ሙዝየም ሳይንስ ንምርኢት ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐ ዓውደ ርእይ ጥዕና ቴክኖሎጂታት እቲ ዓውዲ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክጠናኸር ዕድል ፈጢሩ እዩ-ዶክተር ሊያ ታደሰ

 

ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 2/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ሙዝየም ሳይንስ ንምርኢት ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐ ዓውደ ርእይ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝበፅሐቶ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክጠናኸር ዕድል ዝፈጠረ ከምዝነበረ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ንዕውትነት ብምትሕብባር ሚኒስቴር ጥዕናን ፌዴሬሽን ምክንኻን ጥዕና ኢትዮጵያን ኣብ ሙዝየም ሳይንስ ዝተዳለወ ዓውደ ርእይ ጥዕና ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ትካላትን ውልቀ ሰባትን መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ምስጋናን ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ከምዝበልኦ፤ እቲ ዓውደ ርእይ ዓቕምታት ብምውዳድ ስርዓት ጥዕና ንምምሕያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝተርኣይሉ እዩ ኔሩ።
 

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ብምርምር ዝተሓገዙ ሃገር ቦቆል ፍልጠታት ሕክምናን እቲ ዘበን ዝበፅሖ ኣገልግሎት ሕክምና ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስን ንምርኢት ከምዝቐረበ ገሊፀን።

ንፖሊሲን ፕሮግራምን ጥዕና እታዎት ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ዝተረኸበሎም ዝተፈላለዩ መድረኻት ከምዝተኻየዱ ፀሪሐን።

እቲ ዓውደ ርእይ ልዕሊ 210 ሽሕ ዜጋታት ከምዝጎብነይዎ እውን ተዛሪበን።

ኢትዮ ቴሌኮምን ባንኪ ልምዓት ኢትጵያን ከምኡ እውን ካልኦት መሓዙት ልምዓት ንዕውትነት እቲ ዓውደ ርእይ ዝነበሮም እጃም ምስጋና ኣቕሪበን።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ኣለምፀሐይ ጳውሎስ፤ ኣብቲ ዓውደ ርእይ ስርዓት ጥዕና ዝበፅሖ ብርኪ ዝተርኣየሉን ተበግሶ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዝተፈጠረሉን እዩ ኢለን።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ትካላት ጥዕና ውልቀ ዶክተር ግርማ ኣባቢ፤ እቲ ዓውደ ርእይ ውፅኢት ምሕዝነት መንግስትን ውልቀን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሸጋገረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

̎ጥዕና መፃኢ ወለዶ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሙዝየም ሳይንስ ዝተዳለወ ብሄራዊ ዓውደ ርእይ ጥዕና 13 ሰነ 2015 / ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ መሪቖም ከምዝኸፈትዎ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም